https://tenders.milkta.com/ti/display/1676

ቤት ፅሕፈትና ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንዝተፈላለዩ ንአብያተ ፅሕፈታት ግልጋሎት ዝዉዕል ኤለክትሮኒክስ ፈርኒቸርን ናይ ፎኪስ ደረቅ ጋሓፍ መጠራቀሚ በግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደሊ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ንዕድም

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጉንበት 18, 2008 (ልዕሊ 10 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ጉንበት 29, 2008 6:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ጉንበት 29, 2008 6:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቆሒታት


1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈልሉ ፡ናይ 2008 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ :መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ : ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ፡ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ሒሳብ ዘፈልጥሉ መረዳእታ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከቅርቡ ዝክእሉ

2 ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብቲ ቤት ፅሕፈትና ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ምም/ር ንብረትን ካብ 12/09/2008 ዓ/ም ጀሚሩ ብር 30.00 ብምክፋል ምዉሳድ ይካአል::

3 ናይ ጨረታ መኸበሪ ንኤለክትሮኒክስ ፎኪስ ደረቅ ጋሓፍ መጠራቀምን 10000 ቅርሺ፡ ንፈርኒቸር Â 5000 ቅርሺ ከትሕዝ ዝኽእል

4 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 29/ 09/2008 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ናይ ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ ዕለት ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላት አብ ዘለዉዎ ይኽፈት::

5 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ብክልተ ፖስታ ሐደ ኦርጅናልን ክልተ ኮፒ ዝተዓሸገ ፖስታ ክቅርብ ዝክእል::

6 ናይ ጨረታ መዕፀዉን መከፈትን በዓል እንተዊሉ ኣብ ዝቕፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ይኸዉን

7 ኣድራሻና ኣጋአዚ ኦፕረሽን ህንፃ ድሕሪ እንዳማርያምቤተክርስትያን ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ቀዳማይ ደብሪ

8 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝመሰሉ ዝተሓለወ እዩ

 ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344408501 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ትኽእሉ::