https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/12800

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ከተማ ግጀት ንወረዳ ሴክተራት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ፣ ጉልበት ሞተር ፣ ኤሌክትሮኒክስ ፣ ናይ ቢሮ ኣቅሑትን ፣ ሕትመትን ፣ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዚ ነዞም ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ መስከረም 29, 2013 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ጥቅምቲ 20, 2013 8:30 ቅ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:50
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:3000
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ጥቅምቲ 20, 2013 8:45 ቅ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ መለዋወጢ ኣቁሑት ሞተርሳይክል/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ሕትመት ኣቁሑትን/

1 ናይ 2012/13ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩምን

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ከቅርቡ ዝኽእሉ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ክተቅርቡ ትኽእሉ፤

3 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነን ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ እዋኑፀብፃብ ዝገበርሉ መረዳእታ እውን ከቅርብ ይግባእ፤

4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ኣገልግሎት ዕደጋ እናመፃእኹም ምውሳድ ትኽእሉ፤

5 ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ብፖስታ ዝተዓሸገ ካብ 30/01/2013ዓ/ም ክሳብ 20/02/2012ዓ/ም ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ምእታው ይከኣል።

6 እቲ ጨረታ 20/02/2012ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:45 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ዘለውሉ ብኣካል ዘየለው እውን ዝተማልአ ሰነድ ብምቅራብ ይከፈተለይ እንተይሎም ይኽፈት።

7 መከበሪ ጨረታ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ቼክ ከትሕዝ ዝክእል፤

8 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0924-595112 /09 26 76 63 26 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።