ዕለት 10/08/2018 ዓ/ም
ምልክታ ናይ ስራሕ ጨረታ
ልዕልተ ልዑላን ጽርሐ አርያም ቅዱስ ገብርኤል ካቴድራል ቤተክርስቲያን ቅፅሪ ናይ ኣንፈት ደቡብ ዓውደ ምሕረት ተክሊ ኣብ ዝትከሎ ቦታሓምለዋይ ልምዓት (Greenery Area) ንምልባስን ብዝተዳለወ ዘመናዊ ዲዛይን መሠረት ብሰብ ሙያ አወዳዲሩ ንከስርሕ ወሲኑ አሎ፡፡ ዝርዝር ናይቶም ስራሕቲ ድማ ከም ዝስዕብ ይኸውን፤-
1. ስትራክቸር ናይ ከርብ ስቶን መንገዲ ፤ ዋጋ ብሒሳብ ንሓደ ሜትሮ ይኸውን
2. ኮንክሪት ኮፍ መበሊን ሙሊት ፤ ዋጋ ብሒሳብ ናይ ሓደ መቐመጢ ይኸውን
3. ናይ እግሪ መንገዲ ኮንክሪት ፤ ዋጋ ብሒሳብ ብካሬ ሜትር ይኸውን
4. እቲ ስራሕ ዝስራሓሉ ቦታን ፤ ዝተሰርሐሉ ሳምፕል (መርኣዪ) ስለዘሎን ብኣካል መፂኦም ምርኣይ ዝኽእሉ ኮይኖም ፤ ዝተጠቐሱ ዓይነት ስራሕቲ ንምስራሕ ብሰብ ሙያ ኣወዳዲሩ ንናይ ኢድ ዋጋ ጥራሕ ንከስርሕ ወሲኑ እዩ፡፡
ስለዙይ ብውሳኔኡ መሠረት ኣብቲ ስራሕ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተጫረቲ ሰብ ሙያ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ሚያዝያ 10/08 /2018 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት ሚያዝያ 17/08/ 2018 ዓ/ም ሰዓት 12:30 ናይ ንጉሆ ዘሎ ግዜ ፤ እትወዳደሩሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ሰበካ ጉባኤ ቤት ፅሕፈት ብምእታው ክትወዳደሩ ከምእትኽእሉ እናገለፅና ፤ ብዕለቱ ሚያዝያ 17/08/2018 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 1:00 ናይ ንጉሆ ፤ ድማ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸ ጨረታ ይኸፈት፡፡
ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግበኦም ነገራት፤
1. ብናይ ከርብ ስቶን ስራሕ ልምዲ መረዳእታ ከቅርቡ ዝኽአሉ ይኾኑ፤
2. ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 100.00 /ሓደ ሚኢቲ ብር/ ገዚኦም ክወስዱ አለዎም፤
3. ናይ ጨረታ ሰነድ ስርዝ ድልዝ እንተሃልይዎ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይኸውን፤
4. ዘቕርብዎ ናይ ጨረታ ሰነድ ብሕጋዊ ማህተም ገይሮም ከቕርቡ አለዎም፤
5. እቲ ስራሕ ዝስራሓሉ ቦታ ብኣካል መፂኦም ናይ ምርኣይ ግዴታ ኣለዎም።
6. ናይቲ ዝተሰርሐ ስራሕ ዋጋ ዝገልፅ በዓል ማህተም ፋኩቱር ከቕርቡ ኣለዎም።
7. ጨረታ ዘሸነፉ ናይ ስራሕ ግዜ ማእኸል ዝገበረ ውዕሊ ክኣስሩ ዝኸእሉ ክኾኑ ኣለዎም።
8. ዘቕርብዎ ናይ መወዳደሪ ሰነድ ምስ ማይ መስተዪ ሓዊሱ ብሒሳብ ንሓደ ካሬ ሜትር እና ብሜትሮ እንትኸውን ነቲ ዝቐርብ ዋጋ ድማ ናይ ጉልበት ጥራሕ ዝገልፅ ይኸውን። መተሓሳሰቢ፤- ካቴድራል ቤተክርስቲያኑ ዝሐሸ አማራፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
አድራሻ፤ል/ል/ ጽርሐ አርያም ቅ /ገብርኤል ካቴድራል ቤተ/ያን መቐለ ዓዲ ሓቂ ጥቓ ሓወልቲ ሰማዕታት
ንዝበለፀ ሓበሬታ፡- ስ.ቑ. 09-14-00-10-30//09-14-76-88-99/
ድሕሪት