ምልክታ ፕሮፎርማ
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ካብ ቤትፅሕፈት ምም/ር ከተማ መቀለ ናብ ሽረን - ማጨውን ዝከዱ ኣጋይሽ ስለ ዘለዉ ናብዘን ዝተገለፃ ከተማታት ኣጋይሽ ኣብፂሐን ዝምለሳ ናይ ትራንስፖርት ግልጋሎት ዝህባ መካይን ብፕሮፎርማ ኣወዳዲርና ናይ ሰርቪስ ግልጋሎት ዕድጊት ክንፍፅም ንደሊ ። ስለዚ ኣብዚ ፕሮፎርማ ክትወዳደሩ እትደልዩ በዚ ዘርፊ ዝተመዝገብኩም ተወዳደርቲ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቓሒታት ብምምላእ ንኽትወዳደሩ ንዕድም።
ዝርዝር ተደለይቲ ረቓሒታት
1. ናይ ዘመኑ ዝታሓደ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ ፣ዝተሓደሰ መቅረባይነት፣ቲን ቁፅሪ ከተሓሕዝ ዝኽእል ።
2. ፕሮፎርማ ካብ ዕለት 23/2018 ዓ/ም 3:30ዝፀንሕ ኮይኑ ዕለት 28/7/2018 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ይኸፈት ፡፡
3. ተወዳደርቲ ኣብ ዘቅርብዎ ሰነድ ጨረታ ናይ ተወዳዳራይ ስም ፣ ፌርማ ፣ ማህተምን ኣድራሽኦምን ብምዕራፍን ብዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርቡ ኣለዎ ።
4. ሰዓራይ ትካል አሸናፊ ኮይኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ብምቅራብ ውዕሊ ኣሲሩ ግልጋሎት ኣብ ዝተደለየሉ ብናይ ባዕሉ ነዳዲ ናብቲ ዝተተቀሰ ከተማ ከብፅሕ ዝኸእል ።
5.ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ እዋን እዚ ፕሮፎርማ ምስተኸፈተ ን7ተ ተኸታተልቲ መዓልቲታት ዝፀንሕ ይኸውን ፡
6. እዚ ሰነድ ፕሮፎርማ ከም ውዕሊ ከይኑ የገልግል ፡
7. ኣብ ከይዲ ጨረታ/ፕሮፎርማ ንምዝባዕ ዝፍትኑ ተወዳደርቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ብምግባርን ንቐፃሊ ድማ ኣብ ዕደጋ መንግስቲ ንኸይሳተፉ ክሳብ ምእጋድ ዝበፅሕ ስጉምቲ ክወስድ ይኽእል እዩ
8. ተወዳደርቲ ዝበለፀ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ብምምፃእ ምሕታት ይከኣል እዩ፡፡
9. እዚ ብቤት ፅሕፈትና ዝግበር ፕሮፎርማ ውድድሩ ብተናፀል/ንኒሕድሕድ መኪና ኪራይ ዝናኣሰ ዋጋ ብዘቅረበ ስዓራይ ይኸውን "
10. ስዓራይ ዝኾነ ትካል ነዳድን ካልኦት ናይ መኪናን ሰብ ሓይልን ዝምልከት ዝተፋላለዩ ወፃእታት ብባዓል ዋና ዝሕፈን ይኸውን ።
11. ዝሓሸ መማረፂ እንተተረኹቡ ብኽፋል ይኹን ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
12. ኣድራሻና ኣግኣዚ ኦፕሬሽን ሀንፃ ጥቃ እንዳ ማርያም ጉግሳ ቤተክርስትያን ንርከብ ።
13. ንዝበለፀ መብርሂ ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ቀሪብካ ምሕታት ይከኣል ።
14. ክፍሊት ዝምልከት ብተጠቃሚ ቤት ፅሕፈት ብዝቀረበ መራጋገፂ መሰረት ብዘማላለሶ በዝሒ ማዕልቲ ተባሑ ክፍሊት ዝፍፀም ይኸውን ፡፡
0344-406747/0344-408501/0344-406839
ድሕሪት