ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ እትደልዩ ነጋዶ ዝስዕብ ረቆሓታት ክተማልኡ ይግባእ::
- ናይ 2008 ዓ/ም ዝተሓደስ ንግዲ ፍቃድ ኣተሓሒዝኩም ክተቕርቡ እትክእሉ::
- ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ ዝተመዝገብኩምን Tin ሰርቲፊኬት ክተቅርቡ እትክእሉ::
- ቫተ ሰርቲፌኬትን ዘለኩምን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2008 ዓ/ም ዲክሌር ዝገበርክምሉ መረዳእታ እተቅረቡ::
- ናይ2008 ዓ/ም ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ሰርትፈኬት እተቕርቡ እትክእሉ::
- ጨረታ ሰዓርቲ እንተኸይንኩም ካብ ዝአሰርኩምዎ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰርክምዎ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10ተ መዓልቲ ዝቐረበ ስፐስፊኬሽን መሰረት ብናይ ባዕልኹም መጓዓዝያ ናብ ቢሮና ኣታዊ ብምግባር ባዕሉ ገጢሙ ከረክብ ዝክእል
- መወዳደሪ ደኩመንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተም ፌርማን ክህልዎ ይግባእ::
- ተጫረቲ ዘይምለስ 30.00 /ሰላሳ ብር / እናኸፈልኩም ካብ ቢሮልምዓት ከተማን ንግድን ኢንድስትሪን ክልል ትግራይ ከይዲ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ኣብ ኮምፕሌክስ ህንፃ 1ይ ደብሪ ቁፅሪ 49 ብምግዛእ ካብ 1/04/2008 ዓ/ም ክሳብ 15/04/2008 ሰዓት 8:30 እናመፃእኹም ክትወስዱ ትክእሉ
- ተጫረትቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ ብር 3000.00 /ሰለስተ ሽሕ/ብር ብባንኪ ዝተረጋገፀ መኣዘዚ ክፍሊት ቼክ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ባንኪ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሌተርኦፍ ክረዲት ክተቕርቡ እትክእሉ::
- እቲ ጨረታ ዕለት 15/04/2008 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት9:00 ኣብ ቢሮ ልምዓት ከተማ ንግድን ኢንድስትሪን ክልል ትግራይ ከይዲስራሕ ዕዳጋንፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ተጫረትቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት::
- እቲ ጨረታ ምስተኸፈተ እቲ ቢሮ ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20% ክዉስክ ወይ ክቕንስ ይኽእል እዩ
- ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝትሐለወ እዩ::
- ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0344408973 ደዊልኩም ክትረክቡና ትኽእሉ ምካንኩም ንሕብር ::