1 ቅድመ ሐዚ ብዝኾነ ናይ ንግዲ ኣቅሓ ኣምፃእትይ ፍቃድን ስራሕ ልምዲ ዘለዎ ክከዉን ይግባእ

2 ኣምፀኣይ ዝተመደበሉ ኮታ ካብ መበገሲ ወደብ ክሳብ ዝተመደበሉ ቦታ ብሓደ ጊዜ ንምልዓል/ንምጉዕዓዝ  ዘኽእል ከባድ ናይ ፅዕነት መኪና ፣ መጋዘንን ካልኦት ኣድለይቲ ናይ ሎጅስቲክ ዓቕሚ ናይ ባዕሉ ወይ ዝተማለአ ናይ ክራይ ዉዕል ከቅርብ ዝኽእል ምካኑ ክፈልጥ ይግባአ

3 ስራሕ ንምጅማር ዘኽእል እንተነኣሰ 100 ሚልዮን ብርን ካብኡ ንላዕሊ ብጥረ ገንዘብ ዘንቀሳቅስ ምካ ናይ 2010 ዓ/ም ብባንኪ ዝተረጋፀ ስተትመንትን ናይ 2010 ዓ/ም ግበሪ ዝተከሎ ሰነድ ከቅርብ ዝክእል

4 ብኮምሽን ጉምሩክ ዝወሃብ ናይ ተኣማናይ ኢኮኖሚ መንቀሳቀስ ትካል ሰርትፊኬት እንተሃልይዎ ዋጋ ይህልዎ

5 ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ረቃሕታት እተማልኡ ሰብ ሃፍቲ ንዉድድር ይጠቕመና እዩ እትብልዎ መረዳእታታት ሒዝኩም ናብ ቢሮ ልምዓት ከተማ ንግዲን ኢንድስትሪን ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ምልማዕ ንግዲ ኮምፕሌክስ ህንፃ ደብሪ 2ይ ደብሪ ቁፅሪ 150 ብምቅራብ ካብ ዕለት 29/12/2011ዓ/ም ክሳብ ዕለት 03/13/2011ዓ/ም ኣብ ዘሎ ተኸታታልቲ መዓለትታት ብኣካል ብምቅራብ ክትምዝገቡ ትክእሉ

ንዝበለፀ ሓበሬታ 03 42 40 59 65 ብምድዋል ምሕታት ይካኣል