Asgede Tsimbla Planning and Finance Office

1 ሕጋዊ ንግዲ ፈቃድ ዘለኩም ግብሪ መንግስቲ ከፊሉ ናይ 2011 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዝሐደሰ ቅዳሕ ዘተሓሕዝ

2 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለኩምን፤

3 ኣብ ዝርዝር መቅረብቲ ምዝገባ ተወሳኪ እሴት ታክስን ናይ ወርሒ ሓምለ 2011ዓ/ም ሒሳብ ዝገበርኩምሉ መረዳእታ

4 ኣብ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገበ ዝሐደሰን፤

5 ኩሉ ዝተሐተተ መረድእታ ዋናን ቅዳሕን ከቅርቡ ዝክእሉ ዝተማልአ ሰነድ ጨረታ ብፖስታ ዓሺጉ ከቅርብ ዝኽእል፤

6 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ናይ ጨረታ ዉሕስና ወይ መከበሪ   መቅረብቲ 5000.00 ( ሓሙሽተ ሽሕ) ቅርሺ ብስፒኦ ንኣቁሑ ፅሬት ድማ  እትወዳደሩ ድማ 3000.00 ( ሰለስተ ሽሕ) ቅርሺ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል፤

7 ተጫረቲ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ንሕድሕድ ሰነድ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ከይዲ ስረሕ ዕደጋ ፋይናስን ንብረት ምምሕዳርን ብምዉሳድ ናይ ዋጋ ዝርዝር መሊኦም ኣብ ከይዲ ስራሕ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣታዊ ክትገብሩ ይግባእ፡፡

8 ጨረታ ክፍቲ ኮይኑ ዝፀንሐሉ ካብ 25/12/2011 ዓ/ም ክሳብ 05/01/2012 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ኣብ ዘሎ ማዓልቲታት ኮይኑ ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕፀወሉ ድማ 05/1/2012 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ልክዕ ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ብግልፂ ይክፈት፤

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ዘቀረበ ንብረት 20 ሚኢታዊ ናይ ምውሳክ ወይ ምንካይ መሰል ኣለዎ፡፡

10 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0346-610255 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ ።