Ofla Woreda Planning and Finance Office

ኣብቲ ወረዳ ንዝርከብ ቤት ፅሕፈት ማይ ሃፍቲ ማዓድንን ኢነርጅን  ካብ መደበኛ በጀት  ኣብ ጣብያ ዛታ ታናል ምንዋሕ ምስራሕ ንዝክእሉ ብማይ ኮንስትራከሽን ብደረጃ 8 ብደቀቅቲ ካብ ዝተወደቡ ትካላት ንግዲ፣ብተወሳኪ እዉን ንኣብያተ ዕዮ መሳርሒ አቁሑት ቢሮ፣ንኣበያተ ትምህርቲ  ድማ ኣቁሑተ ቤተ ፈተነ  ዝዉዕል ኣብ ሞንጉ ተጫረቲ ዉድድር ብምክያድ ንዝተቀመጠ ናይ ፅሬት መለክዒ ኣማሊኡ ዝነኣሰ ዋጋ ኣቅሪቡ ዝሰዓረ ዉዕሊ ብምእሳር ንምግዛእን ከስርሕን ይደሊ

ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግብኦም ረቋሕታት

ሎትሓደ ካናል ምንዋሕ

ሎት ክልተ ዝተፈላለዩ ኣቁሑት ቢሮ

ሎተ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ናይ ቤት ትምህርቲ ኣቁሑት ቤተ ፈተነ

ካብ ሎትሓደ ክሳብ ሰለስተ ዘለዉ በቢዘርፉ ሕጋዊ ፍቃደ  ካብ ዘለዎም ኣቅረብቲ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእን ከስርሕን ይደሊ

ተወዳደርቲ ካብ 28 መሰከረም 2008 ዓ ም ክሳበ 18 ጥቅምቲ 2008 ዓ ም  ኣብ ዘሎ ግዘ ኣብ ስራሕ ሰዓት ካብ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናነስን ምምሕዳር ንብረትን እናመፃእኩም  ብ 50 ቅርሺ ሰነድ ጨረታ ክትወስዱ እትክእሉ ምካንኩም እናሓበርና ፣ አቲ ዉድድር ኣብ ቤት ፅሕፈትና ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ተወዳደርቲ ወይንድማ ሕጋዊ ወከልቶም  ኣብ ዝተረከብሉ 18 ጥቅምቲ 2008 ዓ ም ሰዓት 9፡ 00 ተዓፅዮ ብተመሳሳሊ ዕለት ልክዕ 9፡ 30 ይክፈት

ቤት ፅሕፈትና በቲ ዝወፀ ጨረታ ካልእ መማረፂ ተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0345510044 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል