kewakebti Self Help Relief Housing Association

- ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ዘለዎም ተጫረቲ ክሳተፉ ከምትክእሉ እናለፅና እቲ ናይ ጨረታ ሰነድ መምርሕታት ጨረታ ዝርዝር መለኪዕታት-BOQ ንዲዛይንን ናይቲ ዝተጠቀሰ ስራሕ ካብ ሬንቦይው/Rainbow/ ቤት ሕትመት ጥቃ ከሳቴ ብርሃን እንዳ ሚካኤል ቤተክርስትያን ምውሳድ ይከኣል፡፡

1 ተጫረቲ ካብ ፌደራል ኮንስትራክሽን ሚኒስቴርን ካብ ኮንስትራክሽን ከተማ ምዓትን/ቢረ ምም/ር መንገዲ፣ መጋዝያን ብናይ ህንፀት ስራሕ ኮንስትራክሽን ፍቃድ BC GC ሰርቲፊኬት ደረጃ 8 ካብኡ ንላዕሊ ዘለዎም ኮይኑ ብተመሳሳሊ ስራሕ እንተነኣሰ 5 ዓመት ስራሕ ልምዲ ዘለዎን ክከውን ይግባእ፡፡

2 ተጫራታይ ሓደ ኮፒ ዘለዎ ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ጨረታ ኣብ ዝ/ዩ ፖሳታታት ተዓጉ ይወሃብ፡፡ ኣብ ሕድሕድ ፖስታ ስም እቲ ትካል፣ ስም ተጫራታይን ሕጋዊ ማሕተም ብምግባር ቅድሚ 21/07/2011 ሰዓት 8፡00 ኣታዊ ክገብር ይግባእ፡፡

3 ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ሬይንቦው/Rainbow/ ቤት ሕትመት ጥቃ ከሳቴ ብርሃን ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት 100.00 ቅርሺ ብምክፋል ምውሳድ ይከኣል፡፡

4 ኩሎም ተጫረትቲ ነቲ ዝቀረበ ናይ ጨረታ ሰነድ ናይ ጨረታ ዋስትና መትሐዚ ሲፒኦ ወይ ናይ ባንኪ መትሓዚ 2 ሚኢታዊ ናይቲ ጨረታ ዝወፀ ጨረታ መጠን ከትሕዝ ይግባእ፡፡

5 እቲ ጨረታ በ21/07/2011ዓ/ም ሰዓት 8፡00 ተዓፅዩ ሰዓት 8፡30 ኩሉ ኣባል ማሕበር ኣብ ዘለውሉ ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት፡፡

6 ተጫረቲ ናይ ሰራሕተኛ ወፃኢ ጥራሕ ተሓሳቢ ክገብሩ ይግባእ፡፡ ይኩን ምበር ኣቅርቦት ፎርም ዎርክን ማይን ዘካተተ እዩ፡፡

7 ማሕበር ከዋኽብቲ እቲ ጨረታ በሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብሰ.ቁፅሪ 0920-876687 ምድዋል ይከኣል፡፡