Tigray Labor and Social Affairs Bureau

1 ኣብ ናይ መለዋወጢ ኣቅሑ መኪና ዝሳተፉ ትካላት ናይ 2011 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሰትን፣ ቲን ቁፅሪ ዘለዎ ናይ መቅራባይት ዘለዎ ,ቫት ምዝገቡ ዝኮነ ናይ ወርሒ ታሕሳስ፤ ዝገበረ ክከዉን ይግባእ፤ ኣብ ናይ ኣቅሑ ኤሌክትሮኒክስ ዝሳተፉ ትካላት ድማ ናይ 2011 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሰን ቲን ቁፅሪ ዘለዎ ናይ መቅራባይት ዘለዎምን ዘሐደሱን ክኮኑ ይግባእ፤

2 ተጫረቲ ዘትሐዝዎ መክበሪ ጨረታ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ከምእዉን ንኣቅሑ ኤሌክትሮኒክስ ድማ ብር 2000.00 CPO ከትሕዙ ዝክእሉ፤

3 ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 30.00 ብምክፋል ካብቲ ቢሮ ትወስዱ፤

4 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 09/07/2011ዓ/ም ዓም ሰዓት 9:00 ናይ ቅድሚ ሰዓት ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት ድማ ብተመሳሳሊ ዕለት 09/07/2011 ዓ/ም ሰዓት 9:30 አብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዘለዉሉ ኣብ ኣብ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ይኽፈት፤

5 ጨረታ ወፂኡ ካብ ዝተቃለሐሉ /ዝልጠፈ/ ጀሚሩ ተጨረቲ ዋጋ ዘቅርብሉ በቲ ዝወፀ ዝርዝር ረቖሒ /ስፐስፊኬሽን/ መሰረት ኮይኑ ካብ ዕለት 19/06/2011 ክሳብ 09/07/2011 ዓ/ም ሰነድ ምስተገዘአ ብሸምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኦርጅናል ኮፒን ብምንፃር ብክልተ ፖስታ ከቅርቡ ይግባእ ዝግባእ ኾይኑ እቲ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን45 መዓልቲ ይኸዉን፤

6 አድራሻና ክፍለ ከተማ ሐወልቲ ፊት ንፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ አብ ኮምፕሌክስ ናይ ሐባር ህንፃ: ህንፃ 1 /Block 1/ ኣብ መሬት ቢሮ ቁፅሪ 245 እዩ

7 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-400158/0344-417637 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከኣል እዩ፤