Hagereselam municipality

1 ናይቲ ዝወዳደርሉ ንግዲ ዘርፊ ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ኣብ ግልፂ ጨረታ ዝክፈተሉ ኮፒ ዘቅርብ፤

2 ናይ መቅረባይነት ድክላሬሽን ዝተሐደሰ ዘቅርብ፤

3 ናይ ቫት ተመዝጋቢ ዝኮነ፤

4 ሰነድ መዕደጊ ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ

5 ሰነድ ዝዉሃበሉ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 09/05/2011 ዓ/ም ክሳብ 21/05/2011 ዓ/ም ሰዓት 11:30 ይከዉን።

6 ግልፂ ጨረታ ሰነድ ዝክፈተሉ ጊዜ ዕለት 22/05/2011ዓ/ም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ቀትሪ ይኸዉን።

7 ጨረታ መክበሪ ብስፒኦ 3000.00 ምስ ጨረታ ሰነድ ኣብ ፖስታ የእቱ።

8 እቲ ንብረት ባዕሉ ፂዒኑ ኣራጊፉ ከርክብ ዝክእል፤

9 እቲ ንብረት ፅሬቱ ኣረጋገፁ ከረክብ ዝክእል ይከዉን።

10 እቲ ቤት ፅሕፈት ካብ ዘቅርቦ መጠን ንብረት 20% ናይ ምዉሳክን ምቅናስ መሰል አለዎ።

12 ቤት ፅሕፈትና ቤት ማዘጋጃ ጨንፈር ሃገረ ሰላም ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ።

መተሓሳሰቢ - እተን 10 ፓሎታት ወይድማ ዓመድታት መብራህቲ ቤት ማዘጋጃ ጨንፈር ሃገረ ሰላም ባዕሉ ዘቅርብ ይኸውን።  

ዝርዝር ናይ ጨረታ መምርሒ ምስ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝሽየጥ ምካኑ ንሕብር

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0343-390580 ምሕታት ይከኣል