Mesfin Industrial Engineering PLC

1 ተጫረቲ ተዛማዲ ናይ 2010 ዓ/ም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድን ናይ ግብሪ ከፋሊ መፍለዩ ቁፅርን፣ ኦርጅናልን ዘይምለስን ፎቶ ኮፒ ብምትሓዝ ኣብ ናይ ጨረታ ዝርዝር ሰነድ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ምዉሳድ ይክእሉ።

2 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዋጋ ብሰምዒ ዝተኣሸገ ፖስታ ኣብ መስታወቂያ ዝወፀሉ ዕለት 09/01/2019 ዓ/ም.ፈ ክሳብ 29/01/2019 ዓ/ም.ፈ ድሕሪ ሰዓት 8:00 ኣብ መቐለ ዋና ቤት ፅሕፈት ነዚ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ክእትዉ ይክእሉ።

3 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ ብናይ ባንኪ ክፍሊት መኣዘዚ (ሲፒኦ) ብር30,000.00 (ሰላሳ ሽሕ  ብር) (CPO) ብዝተዓሸገ ፖስታ ምስ ናይ ጨረታ ደኩመንት ብምትሕሓዝ ክእትዉ አለዎም :: ብፖስታ ዘይተዓሸገ (CPO) ተቐባልነት የብሉን።

4 እዚ ጨረታ ዕለት 29/01/2019 ዓ.ም.ፈ ድሕሪ ሰዓት ልክዕ 8:00 ሰዓት ተዓፅዩ ዕለት 29/01/2019ዓ.ም.ፈ ሰዓት 8:30 ናይ ድሕሪ ሰዓት ተጫረቲ ወይም ወከልቶም ኣብዝተረከብሉ ኣብ መቐለ መስፍን ዋና ቤት ፅሕፈት ዝርከብ መአከቢ ኣዳራሽ ዝክፈት እንትኮን ሰነዱ ዝተማልአ እንተኮይኑ እንተዘይተረከቡ እዉን እቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝክፈት ይከዉን ።

5 ተጫረቲ ኣብ ዋጋ መቐረቢ ሰነድ ዘእትዉዎ ዋጋ ናይ ሓደ ሊትሮ ዋጋ ክከዉን ይግባእ።

6 ኣብቲ ጨረታ ተወዳዲሩ ዝሰዓረ ተጫራቲ ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝተነገሮ ዕለት ጀሚሩ 3ተ መዓልትታት ናይ ጠቅላላ ዋጋ 10% ኣንኮንድሽናል ባንኪ ጋራንቲ ብምትሐዝ ምስ ትካልና ውዕሊ ይፈራረም። እዚ እንተዘይኮይኑ ግን ንዉዕሊ መክብሪ ዘትሓዞ ገንዘብ ናብ ትካልና ኣታዊ ብምግባር ኩባንይና ካልእ አማራፂ ይወስድ።

7 ሰዓራይ ተጫራቲ ኣብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ።

8 ተጫረቲ ናይ ካሊእ ተጫራታይ ዋጋ ተደሪኮም ዋጋ ምእታዉ አይከኣልን።

8 ተጫረቲ እዚ ጨረታ ምስ ኣሸነፉ ንካልእ ሳልሳይ ወገን ኣሕሊፎም ምሃብ ኣይክእሉን።

10 ኩባንያና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብመሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስረዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ 251-930413111 ፋክስ 251-3444-066803 ይደወሉ