Tigray Bureau of youth and sport

1 ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎ፣ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ (ቲን) ዘለዎን መረዳእታ ከቅርቡ ዝኽእሉ፣ ተወሳኺ እሴት ታክስ ከቅርቡ ዝኽእሉ ከምኡውን ናይ ወርሒ ሕዳር/ታሕሳስ ወርሓዊ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

2 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 30.00 ቅርሺ ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል።

2 ጨረታ መክበሪ ብር 3,000 ሰለስተ ሽሕ ብር ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ወይ  ብጥረ ገንዘብ ከቅርቡ አለዎም::

3 እቲ ጨረታ 08/05/2011 ዓ/ም ናይ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 8:00 ተዓሺጉ ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ሰዓት 8:30 ቅድም ኢሉ ኣብ ዝተጠቀሰ ቦታ ይክፈት።

4 እቲ ቢሮ ዝዕድጎም ኣቅሑት ከምኣድላይነቱ 20% ናይ ምውሳክ ወይ ምቅናስ መሰል ኣለዎ።

5 ዋጋ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልቲ ይኸውን።

6 ኣብዚ ጨረታ ሰዓራይ ዝኾነ ትካል ካብ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10% ኣትሒዙ ውዕሊ ብምእሳር ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ከቅርብ ዝኽእል፤

7 ተጫረቲ እተቅርብዎ ዋጋ ተወሳኺ እሴት ታክስ ሓዊስኩም ክተቅርቡ ኣለኩም። ቫት ያስጨምራል (ቫት ይሓውስ እዩ) ኢልካ ምፅሓፍ ኣይከኣልን።

8 ሰዓራይ ዘሰዓሮም ኣቅሑት በቲ ዝወፀ ዝርዝር መረዳእታ መሰረት ትኽክል ምዃኑ ምስተረጋገፀ ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ ኣብ 10 መዓልቲ ውሽጢ ናብቲ ቢሮ ኣታዊ ይገብር።

9 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ከይዲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ንዝበለፀ ሓበሬታ እቲ ቢሮ ዝርከበሉ ቦታ ኮምፕሌክስ (ናይ ሓባር ህንፃ) ብኣካል ብምምፃእ ብስ.ቁፅሪ 0344-408877 ደዊልካ  ምሕታት ይከኣል።