Enda Mekoni Woreda Planning and Finance Office

 ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ 08/04/2011 ዓ/ም ክሳብ 23/04/2011 ዓ/ም ዘይምለስ 30.00 ቅርሺ ብምኽፋል ኣብ ከተማ ማይጨው ጥቃ ቴክኒክ ኮሌጅ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እንዳ መኾኒ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን መፂእኹም ክትወስዱ ከምትኽእሉ ንሕብር።

 ከማልእዎም ዝግባእ ረቋሒ

1 ፍቃድ ንግዲን መቅረባይነትን  ዘቅርብ ናይ 2010 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ከቅርብ ዝኽእል፤    

2 ኣብ ተወሳኺ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኾኑ ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2011 ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉ፤

3 መኸበሪ ጨረታ 3000.00 (ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ ) ብሲፒኦ ከትሕዝ ዝኽእል፤

4 እቲ ጨረታ ዕለት 23/04/2011ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይኽፈት።

5 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይዅን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።