Tigray Communication Affairs Bureau

1 ጨ..ቁ ቢ.ር.ህ/ክ/ት/ሕት-02/2011 ናይ ሕትመት /መቃልሕ ጋዜጣ/

በዚ መሰረት አብዚ ጨረታ ክትሳተፍ እትደለዩ ተወዳደረቲ እተማልአዎ ረቋሒ::

1 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ ፈቃድ ፣ ቫት ተመዝገበቲን ናይ መወዳእታ ወርሒ ቨት ሪፖርት፣ መፍለይ ቑፅሪ / TIN/ ኣብ ዝርዝር መቕረብቲ ዝተመዝገቡ ምኮኖም መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ::

2 ኣብ ሰነድ ጨረታ ወይ ኣብ መምርሒ ተጫረቲ ዝርዝር ንዝተገለፁ ቴክኒካል መዐቀኒ ከማልኡ ዝኽእሉ

2 መክበሪ ጨረታ

ብር 17500.00 /ዓሰተ ሸውዓተ ሸሕን ሓሙሽተ ሚኢቲን / ብጥረ ገንዘብ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ከትሕዙ ዝክእሉ::

3 ዋጋ ሰነድ ጨረታ

ዘይምለስ ብር 50.00 /ሓምሳ ብር / ብምኽፋል ጨረታ ሰነድ ካብ ቢሮ ርክብ ህዝቢ ክልል ትግራይ ደጋፊ ኸይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቑፅሪ 22 ካብ ዕለት 14/02/2011 ክሳብ 04/03/2011 ዓ/ም አብ ዘሎ ናይ ስራሕ ግዜ መፂኹም ምግዛእን ንዕኡ ኣብ ዝተዳለወ ሰንዱቅ ናይ ጨረታ ሰነድ ምእታው ትክአሉ ::

4 ጨረታ ዝዕፀወሉን ዝኽፈተሉን ዕለት::

4.1 ዕለት 04/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረክበሉ ልዕል ኢሉ አብ ዝተጠቀሰ ኣድራሻ ብግልፂ ይኽፈት::

5 ቢሮና ነቲ ዘሐትሞ ሕትመት ከምኣድላይነቱ 20 % ናይ ምዉሳክ ወይም ናይ ምቅናስ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

6 ኣብዚ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ትካል ካብ ዘሸነፎ ጠቅላላ ዋጋ 10 % አትሒዙ ዉዕሊ ዝኣስርን

7 ሰዓራይ በቲ ዝወፀ ስፐስፊክሽን መሰረት ፅሬቱ ብዝምልከቶም ኣካለት ምስተረጋገፁ አብቲ ዘድልየሉ እዋን ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ናብ ቢሮና አታዊ ይገብር::

8 እዚ ጨረታ ፀኒዑ ግዜ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 30 መዓልቲ ዝፀንዐ ይኸዉን::

9 ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምንራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

10 ንዝበለፀ ሓበሬታ ቢሮና ዝርከበሉ ፊት ለፊት ኣግአዚ ባንኪ ጎኒ ዘዩርዳኖስ ሆቴል ::

ስቑ 0344 - 40 93 43 ደዊልካ ምሕታት ይከአል እዩ::

ቢሮ ርክብ ህዝቢ ክልል ትግራይ