Tigray Health Bureau

1 ናይ ዘመን ናይ መንግስቲ ግብሪ ዝከፈልኩምሉን ዝሐደስኩምሉን ፍቓድ ንግዲ ከቅርብ ዝክእል

2 ናይ ግብሪ ከፈልቲ ቑፅሪ ቲን ምምዝጋበኩም መረዳእታ ክተቕርቡ ትኽእሉ::

3 ቫት ምምዝጋብኩምን ናይ ወረሒ ሰነ 2010 ዓም ወርሓዊ ድክለረሽን ዝገበርኽሙሉ መረዳእታ ክተቕርቡ ትኽእሉ::

4 ዝተሐደሰ ናይ ብመቕረባይነት ሰረተፍኬት መረዳእታ ክተቕርቡ ትኽእሉ::

5 መኽበሪ ጨረታ ብር 15,000 ስፒኦ/CPO/ ክተትሕዙ እትክእሉ::

6 ናይ ጨረታ ሰነድኩም ብሰምዒ ብዝተአሸገ ፖስታ ሓደ ኦርጅናል ሓደ ቕዳሕን ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ኣብ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ቢሮ ቑፅሪ 42 አብ ናይ ስራሕ ሰዓት ምእታዉ ትኽእሉ::

7 እቲ ጨረታ ካብ 10/12/2010 ዓ/ም ጀሚሩ ን 15 መዓልቲ አብ አየር ዝፀንሕ እንትኸዉን 25/12/2010 ዓ/ም ቅድሚ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 4:00 ይኽፈት::

8 መሸነፊ ትካል ብዝቀረበ ዝርዝር ስፐስፊኬሽን ወይ ከዓ ሳምፕል መሰረት ንብረት ከቅርብ ዝክእልን ናይ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ሓዊሱ ከቕርብ ይግባእ አብ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ከይሓወሰ ዘቕረበ ተጫራታይ ቫት ከምዝሐወሰሉ ይዉሰድ::

9 ተጫራታይ ብመሰረት ዝቀረበሉ ዝርዝር ጥራይ ከቅርብ ዝክእል ኮይኑ ሰዓራይ ወይ እዉን መቅረባይ ትካል ብናይ ባዕሉ መጎዓዓዝን ናብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ አታዊ ይገብር

10 ሰዓራይ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 100 መዓልቲታት አታዊ ይገብርን ዉሕስና ንዘድለዩም ኣቅሑድማ ዉሕስና ከቅርበ ይግባእ

11 ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ከይዲ ዕዳጋ ቢሮ ቑፅሪ 42 ዘይምለስ ብር 50.00 ብክፋል ምዉሳድ ትኽእሉ::

12 ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክ/ ትግራይ ስ.ቁ 0344404715/ 0344400451 ምድዋል ይከአል::