ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ሑመራ ኣብ በጀት ዓመት 2007 ዓ/ም ካብ መደበኛ በጀቱ ናይ አይቲ : ኤሌክተሮኒከስ : ህንፃን ብረታ ብረትን : ኣዉቶሞቲቭ : ናይ ፅሬት መሳረሒታትን ካልኦት ኣቑሑ ብግለፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ:: ስለዚ እዞም ዝስዕቡ ረቆሒታት እተማልኡ ነጋዶ ክትሳተፉ ትኽእሉ::
መምርሒ ተወዳደረቲ / ተጫረቲ/
-
ናይ 2007 ዓ/ም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ በቲ ዘርፊ ዘለኩም::
-
ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ ዝተመዝገብኩምን TIN ሰርተፊኬት ክተቕርቡ ትኽእሉን
-
ንተወሳኪ እሴት ታክሲ/ VAT ዝተመዝገብኩም: VAT ምዝገባ ሰርተፈኬትን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ VAT ዲክላሬሽን ክተቕርቡ ትኽእሉን::
-
ናይ መቐረባይነት ምስክር ወረቐት ክተቕርቡ ትኽእሉ::
-
ጨረታ ሰዓርቲ እንተኾይነኩም ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ዉዕሊ ካበ ዝአሰርኩመሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 15ተ ተኸታታሊ መዓልቲ ብናይ ባዕልኩም መጎዓዝያ አብ ሑመራ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ክትቕርቡ እትኽእሉ::
-
ተጫረቲ አብ ሕድሕድ ምድብ መወዳደሪ (LOT) ቴክኒካል መረዳእታ ቕዳሕ ክተተሓሕዙ ትክእሉ::
-
መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ : ናይቲ ትካል ማህተምን ናይ ዝምልከቶ በዓል ዋና ፌርማን ዝዓርፎ ክኸዉን አለዎ::
-
ተጫረቲ ንሕድሕድ ዝወዳደርሉ ምድብ (LOT) መወዳደሪ ዘይምለስ ብር 30. 00 / ሰላሳ / እናኸፈሉ ካብ ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ብክመትግራይ ደጋፊ ከስዕፋንምምርን ካብ ዕለት 27 / 04 /2007 ዓ/ም ክሳብ 11/ 05 /2007 ዓ/ም ስዓት 3:00 እናመፃእኩም ሰነድ ጨረታ ገዚኦም ክወስዱ ዝኽእሉ::
-
ተጫረቲ ንሕድሕድ ዝወዳደረሉ ምድብ ናይ ጨረታ መኽበሪ ብር 5, 000. 00 ሓሙሽተ ሽሕ ብር ወይ እዉን ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዙ ዝኽእሉ::
-
ካብ ጠቕላላ ዝሰዓርዎ 2 % ዊዝ ሆልዲንግ ታክሲ ክኸፍሉ ዝኽእሉ::
-
እቲ ጨረታ ዕለት 12 /05 / 2007 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ኣብ ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ብ/ክ/መ/ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት :: ተወዳደርቲ ብዘይ ምርካቦም ጨረታ ምኽፋት ኣይተአጎጎልን
-
ኮሌጅና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ በሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::
-
እቲ ጨረታ ምስተኸፈተ ኮሌጅና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20 % ክቕንስ ክዉስክ ይኽእል እዩ::
-
ተወዳደረቲ እተቕርበዎ ንብረት ኣታዊ ዝኸዉን ብቴክኒክ ፅሬት ኮሚቴ ተፈቲሹ ትክክለኛ ነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ይኸዉን::
-
ኣብ እዋን መኽፈቲ ጨረታ ተጫረቲ ኦርጀናል ዶክሜንት ሒዞም ክርከቡ አለዎም::
-
ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቑፅሪ ስልኪ 0344 480510/11 0932 919420 ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ::