ምልከታ ጨረታ
ኤጀንሲ ፕሮሞሽን ዕዳጋ ምህርተ ሕርሻ ክልል ትግራይ ናይ ስፔር ኣቑሑት ንናይ ሃይላክስ መኪና ሞዴል Ln166-PRMDS መለዋወጢ ኣቑሑት ዝዉዕል ብግልፂ ጨረታ ንክተወዳደሩ ይዕድም ስለዚ ክትጫረቱ እትደሊዩ መቕረብቲ ከም ዝስዕብ ዝተዘርዘሩ መምርሒታት ክተማልእዎም ዝግባእ::
1 ናይ 2007 ዓም ፍቓድ ንግዲ ዘሐደስኩም::
2 ቫት ዝተመዝገብኩምን ኣብ በጀት ዓመት 2007 ዓ/ም ኣብ ወርሒ ሕዳር ዲክለር ዝገበርኩም::
3 ብመቕረባይነት ዝተመዝገብኩምን ዘሐደስኩምን::
4 ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ ዘተመዝገቡ ምኻኖም መረዳአታ ክተቕርቡ እትኽእሉ::
5 መቕረባይነት ካብ ዕለት 21 /04 /2007 ዓ/ም ክሳብ 01/ 05 / 2007 ዓ/ም ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ ኤጀንሲ ፕሮመሽን ዕዳጋ ምህርቲ ሕረሻ ክልል ትግራይ ከይዲ ሰራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን 1ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 106 ዘይምለስ ብር 50 ከፊሎም ሰነድ ጨረታ ብምዉሳድ አበ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይከአል::
6 ናይ ጨረታ ዉሕስና መኽበሪ ብር 3000 /ሰለስተ ሽሕ / ሕጋዉነቱ ብዝተረጋገፀ ስፒኦ / CPO/ ቅድሚ እቲ ጨረታ ምኽፋቱ ከትሕዙ ዝኽእሉ:
7 ጨረታ ዝዕሸገሉ ዕለት 1/ 5/ 2007 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸበሉ ይኽፈት ተጫረቲ ወይ ተወከልቶም እንተዘይተረኺቦም እዉን እቲ ጨረታ ንምኽፋት ኣይተዓናቐፍን:
ኤጀንሲና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዘተሐለወ እዩ::
ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 03 44 40 50 30 ምሕታት ይኸአል እዩ::