ምልክታ ግልፂ ጨረታ ቁፅሪ ክልተ
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፈይናንስን ክፍለ ከተማ ሓድነት አብ 2007 ዓ/ም በጀት ዓመት ንትካልና ከገልግሉ ዝክእሉ ዝተፈላለዩ ፅሕፈት መሳርሒ : ፅሬት ኣቁሑት : ናይ ሕተመት ስራሕቲ : ናይ ስፖርተ ዕጥቂ ካልኦትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ ነዞም ኣብ ታሕቲ ዝተዘርዘሩ መሰረት ጌርኩም ክትወዳደሩ እትደልዩ ብኣኽብሮት ፃዉዒት የቕርብ::
1 ቫት/VAT/ ተመዝጋቢ ኮይኑ ወርሒ ጥቅምቲ 2007 ዓ/ም ናይ ቫት ዲክለሬሽን : ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ 2007 ዓ/ም: መፍለይ ቁፅሪ ናይ ግብሪ /TIN/ ከፋላይ ከምኡዉን ናይ 2007 ዓ/ም ዘተሐደሰ ሰርተፍኬት መቅረባየነት ከቕርብ ዝክእል::
2 ካብ ትካልና ደጋፊ ከ ስ ዕ ፋ ን ምምሕዳርን ካልኣይ ደብሪ ቁፅሪ 31 ካብ ዕለት 07 /04 /2007 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 21/ 04/ 2007 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ብምምፃእ ሰነድ ጨረታ ብ ብር 20 (ዒስራ ቅርሽ ) ብምግዛእ ክተወስዱ ከምትክእሉ ብምፈላጥ ሳንዱቅ ጨረታ ዕለት 21/ 04/ 2007 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:30 ብምዕፃዉ ሕጋዊ ጨረታ ኮሚቴ አብ ዘለዉሉ ልክዕ ሰዓት 8:45 ይኽፈት ብተወሳኪ ኣብ እዋኑ ምኽፋት ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ክርከቡ ይኽእሉ እዩም::
3 ተጫረቲ መኽበሪ ጨረታ ብር 15 ,500.00 /ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚኢትን ብር ጥራሕ/ ብCPO ብሲፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ::
4 ዝሳዓሮ ንብረት በቲ ዝወፀ ሰፐስፊኬሽን መሰረት ናብ ትካልና ብናይ ባዕሉ ወፃኢ መጎዓዝያ መራገፍን ከቕርብ ዝክእል::
5 ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ በሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ::
ኣድራሻና : ትግራይ - መቐለ - ቀበሌ ኣድቬንትስት ትምህርቲ ቤት ትሕቲ ኢልካ ንግስቲ ህንፃ ካልኣይ ደብሪ ቁፅሪ 31
ንዝተደለየ ሓበሬታ ስልኪ ደከሰዕፋንምምሕዳርን 034841 90 41 ሞባይል ቁፅሪ 09 25 44 12 01 /09 32 03 98 63 /09 3225 62 39 ብምድዋል ክለኽቡና ይኽእሉ እዩም::