1 ተጫረቲ ናይ መንግስቲ ግብሪ ዝከፈልኩም ናይ 2018 ዓም ፍቃድ ንግዶም በቲ ዘርፉ ዘቅረቡን ዝሕድሱን ክኮኑ አለዎም
2 ተጫረቲ ኣብ መቅረብቲ ዝተመዝገቡ ናይ መቅረባይነት መለለይ ካርድን ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ከቅርቡ ዝክእሉ
3 ተጫረቲ ናይ ከፍልቲ ግብሪ መለለይ ቲን ቁፅሪ ከቅርቡ ዝክእሉ
4 ተጫረቲ ቫት ዝተመዝገቡ ናይ ወርሒ ጥሪ 2018 ዓም ናይ ግብሪ ኣካቢ ኣካል ቫት ዲክለር ዝገበሩ ምካኖም መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ
5 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መከበሪ 15000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብዝተረጋገፀ ቼክ ስፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ
6 ጨረታ ዝሳዓሩ ተጫረቲ ዉዕሊ ክኣስሩ ምስተኣወጀ ኣብ ዉሽጢ 5 ተከታተልቲ መዓልቲ ቀሪቦም ናይ ዝሰዓርዎ 10 ሚአታዊ ዉዕሊ መከበሪ ብምትሓዝ ዉዕሊ ናይ ምእሳር ግቡእ አለዎም
7 ተጫረቲ መፅዓንን መራገፍን ሓዊሱ ብናይ ባዕሎም መጎዓዓዚ ናይ ጣብያ ሕድጋ ሓሙስ ናብ ማእከል ኤፍቲሲ ሕደጋ ሓሙስ ናይ ጣብያ ዓረና ናብ ማእከል ኤፍትሲ ዓረና ናይ ፃኢ ናብ ማእከል ኤፍቲሲ ፃኢ ዝጎዓዓዛ ይኮና
8 ሰዓራት ብዛይ ካ ናይ ጣብያታት ፂኢ ዓረናን ዕደጋ ሓሙስን ናይ ዝተረፋ ጣብያታት ንጠቀምቲ ሴክተር እተቅርብሉ ከብ ዝዓብያሉ ቦታ ከተማ ዕደጋ ዓርቢ ዘረክቡ ክከወነ አለዎም
9 ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ብናይ ባዕሉ ዘርፊ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ከሳብ 30/6/2018 ዓም ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ምምሕዳር እንዳባፃሕማ ክፍሊ ቁፅሪ 5 ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይክእሉ
10 እዚ ጨረታ 30/6/2018 ዓም ልክዕ ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ 30/6/2018 ዓም ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ምምሕዳር እንዳባፃሕማ ቢሮ ቁፅሪ 5 ይክፈት
11 ተጫረቲ ናይ ሕድሕድ ዋጋ ዝተሐተተ ዋጋ ዝመለአ ቁብል ዝገበር ይከዉን
12 ጨረታ ምስተከፈተ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ን30 ተከታታልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲ ጥራሕ ይከዉን
13 እቲ ክይዲ ስራሕ ጨረታ ምስተከፈተ ከምኣድላይነቱ ናይቲ ኣቅሓ መጠን ክሳብ 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ ክንኪ ይክእል እዩ
13 ፅሬት ደርሆ ዝምልከተ አቀዲሙ ብዝተነፀረ ዝርዝር መዓቀኒ መሰረት ብባዕል ሞያ ብምርግጋፅ ቅቡል ዝግበር ይከዉን
14 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0920253918 / 0920283446