Ethio Trees Ecosystem Restoration Association

ምልከታ ጨረታን ተጫረቲ ከማልኡዎ ዝግባእን

ቤት ፅሕፈት ማሕበር ኢትዮ ትሪ ከባቢ ምምሕያሽ ኣብ ናይ 208 ዓ/ም በጀት ዓመት ዋንነቱ ናይ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ኢትዮ ትሪ ከባቢ ምምሕያሽ ዝኾነ ኣብ ዝተፈላለዩ ቁሸታት ጣብያታትን ወረዳታትን ዝርከቡ ማ/ሰብ ደኒ ዘለዎም ናይ መብራህቲ ሕፅረት ንምቅራፍ፤ መማረፂ ሓይሊ መብራህቲ (ሶላር) ብምጥቃም ቀንዲ መፍትሒ ኾይኑ ስለዝተረኸበ ትካልና ነዚ ክቅርቡ ዝኽእሉ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ኣብ ከልልና ትርከቡ ማሕበራትን ናይ ውልቀ ትካላትን ኩሉኹም ፤ ትካልና ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪቱ ብዝሓዞ መደብ ከስርሕ ይደሊ፡፡ካብዚ ብተወሳኺ ሰዓራይ ክኸውን ዝኽእል ዝተሓተ ዋጋ ዝመልአ እንትኸውን ናብ ተጠቀምቲ ናይ መጓዓዓዚ ኣብ ግምት ከየእተው ክመልኡ ኣለዎም።

፦ ክፍሊት ክኽፈሎም ወይም ከኽፍለን ዝኽእል እቲ ዝተወሃቦም ስራሕ ምሉእ ብምሉእ ሰፊሖም ድኡ ምኻኖም ክፈልጡ ይግባእ። ማለት እውን ብዝተወሃቦም መአዘዚ ደብዳቤ መሰረት ።

1) ተጫረቲ ኣብቲ ጨረታ ንምስታፍ እዞም ስዒቦም ዝተገለፁ ረቛሓታት ከማልኡ ኣለዎም።

ተጫረቲ ኣብ ክልለና ዝርከቡ ንግዲ ትካላት ናይ ሶላር (Home light solar system) በራትን ውልቀን ዝምልከት ኮይኑ ኣብ ላዕሊ ኣብ ዝተገለፀ ፕሮጀክት ከጫረቱ ይከእሉ እዮም፡፡

2) ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ኦርጅናልን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒን ብዝምልከቶ ናይ መንግስቲ ትካል ምስክር ወረቐት፣ ናይ ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቐትን ንግዲ ሰራሕ ፍቃድን፣ ፣ናይ ግብሪ ከፋሊ ምዝገባ ሰርተፍኬት /TI/፣ናይ መቕረባይነት ፤ ቫት/Aፐ ሰርተፍኬትን ዲክላሬሽንን ከቕርቡ ዝክእሉን ቫት/VAT) ተመዝገብቲ ጥራሕ ክኾኑ አለዎም

3) መኽበሪ ጨረታ ብናይ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ባንኪ ካብ ዝተፈቐደሎም ባንክታት (CPO) ብር (200,000) ጥራሕ ከቕርቡ ኣለዎም፡፡ 

4. መኸበሪ ጨረታ ብኣድራሻ ናብ ማሕበር ኢትዮ ትሪ ከባቢ ምምሕያሽ ተባሂሉ ከፃሓፍ ኣለዎ ብተወሳኺ ዕለትን ሽምን ኣብቲ መኸበሪ ጨረታ ክፅሓፍ ኣለዎ፡፡

5) ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ስራሕቲ ውዕሊ ካብ ዝፍፅምሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ (5 ዓሰርተ) ተኸታተልቲ መዓልቲታት ሙሉእ ብሙሉእ ኣዳልም ከረክቡ ኣለዎም

6) ኩሎም ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ካብ 21/6/2018 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ናብ ማሕበር ኢትዮ ትሪ ከባቢ ምምሕያሽ ቤት ፅሕፈት ኣክሊል ህንጻ (ዓዲ ሓቂ ጥቃ GIZ) ናብ ዓይደር ዝውስድ መንገዲ ኣድላይ መረዳእታታት ብር 200 ብምኽፋል ከወስዱ ይኽእሉ እዮም።

7) ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ጨረታ ሰነድ ሓደ ኦርጅናል ፣ ሓደ ፎቶ ኮፒ ዝሓዘ ሰነዳ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ምስ ዓሽጉ ኩሎም ፖስታታት ኣብ ካሊእ ዓብዪ ፖስታ መሊሶም ብምዕሻግን ናይቲ ዝጫረትሉ ትካል ሽም ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዪ ፖስታ ኣድራሻ ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ክሳብ ዕለት 28/6/2018 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ናይ ቅድሚ ቐትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉ ኣለዎም፡፡

8) ተጫረቲ እቲ ጨረታ ሰነድ ብውነ ተረዲኦም ዋጋ ብምምላእ ፈርሞኦምን ማሕተሞምን ብምዕራፍ እቲ ጨረታ ሰነድ ከምቲ ክሽየጥ እንተሎ ዝነበረ ከየጓደሉ ከቕርቡ ኣለዎም፡፡

9) እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ዕለት 28/6/2018 ዓ.ም ልክዕ ሰዓት 4፡30 ናይ ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ክኽፈት እዩ።

v) ኣብዚ ጨረታ ዝሳተፉ ኩሎም ኣብ ናይ Solar Home light system ንግዲ ፍቃድ ዘለዎምን ብማይ፣መኣድንን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ፍቃድ ዘለዎን ጥራሕ እዮም

“ እቲ ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብከፋል ወይ ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ።

❖ ንተወሳኪ ሓበሬታ ናብ ቤት ፅ/ት ኢትዮ ትሪ ከባቢ ምምሕያሽ ብኣካል ወይ ድማ ብስልኪ ቁፅሪ 0914097630/0914784483 ብምድዋል ምርካብ ይከኣል እዩ