Tahtay Adyabo Woreda Planning and Finance Office

1አብ ዝተገለፀ በቢዝምለከተኩም ዘፈር ንግዲ ናይ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም

2 ናይ 2017 ዓም ግብሪ ዝከፈልምሉን ናይ 2018 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዝሐደስኩም

3 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝገባ ምስክር ወረቀትዘለኩምን ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2018 ዓም ተወሳኪ እሴተ ታክስ ሒሳብ ዘፍለጥሉ ሪፖርተ ከቅርብ ዝክእል

3 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ /ቲን ቁፅሪ / ዘለኩም : ናይ 2018 በቢዝምለከተኩም ዘፈር ነዚ ዘፍር ዝገልፅ ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ሰርተፊኬተ ወረቀት ምስክር ምቅራብ ዝክእል

4 አብ ፖስታ ዝዕሸግ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ተመዝጋቢ ተወሰኪ እሴት ታክስ ናይ ወርሒ ታሕሰስ ሒሳብ ዘፍለጥክመሉ መረደ እታ ናይ 2018 ዓም ቢቲ ዘፈር ዝተሐደሰ ወረቀት መቅረባይነት ናይ ከፋላይነት ግብሪ መለለይ ቁፅሪ ብግልፂ ዝረአ ክከወን አለዎ

5ተጫራታይ ንነብሰወከፍ ምድብ ነናይ ባዕሉ ፖስታ ተዓሺጉ ከቅርብ አለዎ

6 ነናይባዕሉ ፖስታ ዘይዓሸገ ታጫራታይ ካብ ዉድድር ወፃኢ ይከዉን

7 ኣብ መንግስታዊ ጨረታ ኣብ ዝኮነ ይኩን ትካል ዝተኣገደ ነጋዳይ አብዚ ጨረታ ክሳተፍ ኣይክእልን

8 ከይዲ ጨረታ ብዛይኣግባብ ንምዝባዕ ምፍታን ብሕጊ ዝሕትትን ጨረታ ከይትሳተፍ ክሳብ ምእጋድ ስጉምቲ ዘስዕብ ምካኑ ንሕብር

9 ዕደጋ ፈፃሚ ኣካል ካብ ነብሰወከፍ ነፀላ ኣቅሓ በጀት መሰረት ዝገብር ክሳብ 20 ሚእታዊ ናይ ምቅናስ ወይ ናይ ምዉሳክ መሰል ዘለዎ ምካኑ

10 ተጫረቲ ዋጋ እንትመልኡ ናይ ሐደ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን አፈላላይ ክህልዉ የብሉን አፈላላይ እንትሃልዩ ናይ ሐደ ዋጋ ጥራሕ ተቀባልነት ይህልዎ

11 ናይ መወዳደሪ ሓሳብ መቅረቢ ብቆንቆ ትግርኛ ይከዉን

12 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዝርዝር ሰነድ ካብ 13/6/2018 ዓም ክሳብ 28/6/2018 ዓም ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕድጋን ንብረትን ምምሕዳር ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ምዉሳድ ትክእሉ

13 እቲ ጨረታ 28/6/2018 ዓም ሰዓት 5:00 ቅድሚ ሰዓት ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 5:30 ቅድሚ ሰዓት ኣብ ቅድሚ አብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕቀባ ንብረትን ምምሕዳር ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ተወዳደቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረክብሉ ይከፈት ይኩን እምበር ተወዳደርቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይ ምርካቦም ጨረታ ንምክፋት ኣይክልክልን

14 ሰዓራይ ዝኮነ መቅረባይ ዝፈለ ብጠለብ እቲ ቤት ዕዩ ዝተሐተ ዋጋ ዝመለአ ይከዉን

15 ተጫረቲ ዋጋ እንተመልኡ ስርዝ ድልዝ ድምሳስ ክህልዉ የብሉን ስርዝ ድልዝ እንተሃልዩ ናይ ባዕል ዋና ፊርማ ወይድማ ፓራፍ ይገበረሉ

16 ናይ እፅዋት ዘርኢ ኣትክልን ፍራፍረን ተጫረቲ 15100 : ኣቅሑት ቢሮን ገዛን 3100 : ናይ ደርሆን ኣዕዋፍን : 3100 ንቀለብ እንስሳ 3100 ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መዘዚ ክፍሊት ቼክ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ዉሕስና ባንኪ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሌተር ኦፍ ክሬዲት ብስፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ

17 ተጫራቲ ስዒርካ ተባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ድሕሪ ናይ ሰለሰተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ ሰለሰተ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ዉዕሊ ክኣስር ዝክልን ካብቲ ጠቅላላ ዝሰዓሮ ንብረት 10 ሚእታዊ መከበሪ ዉዕሊ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መአዘዚ ክፍሊት ቼክ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ዉሕስና ባንኪ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሌተር ኦፍ ክሬዲት ወይ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

18 ሰዓራይ ንዝሰዓሮ ንብረት ብዉዕሊ መሰረት ኣብ ዝተዉሃበ ግዜ ገደብ ኣታዊ እንተዘይገይሩ ካብ ኣታዊ ዘይገበሮ ጠቅላላ ዉዕሊ በቢመዓልቱ 1/1000 ክሳብ 10 ሚእታዊ ዝበፅሕ ይቅፃዕ ካብኡ ዝሐለፈ ብመምርሒ ዕደጋ ተፈፃሚ ይከዉን

19 ዝሰዓረ ተወዳዳራይ ብዉዕሉ መሰረት ንብረት ኣታዊ እንዘተዘይገርሉ ኣታዊ ከብ ዘይገበሮ ንብረት 10 ሚእታዊ ይቅፃዕ

20 ናይ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን40 ተከታታሊ መዓልቲታት ጥራሕ ይከዉን

21 ሰዓራይ ንቲ ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ቢሮ ቁፅሪ 5 ኣታዊ ዝገብር

22 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ መሉእ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0984995739 /0914506182 / 0914778534