1 በቲ ዘርፊ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ኮፒን ከቅርብ ዝክእል
2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ቲን ሰርተፊኬት ኮፒን ከቅርብ ዝክእል
3 ንተወሳኪ እሴት ታክስ /ቫት/ ዝተመዝገበ ቫት ምዝገባ ሰርትፊኬትን ናይ ታሕሳስ 2018 ዓም VAT ድክለሬሽን ኮፒ ከቅርብ ዝክእል
4 በቲ ዘፈር ናይ መቅረባይነት ዝተመዝገበን ምካኑን ናይ ዘመኑ ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ምስክር ወረቀትን ኮፒ ከቅርብ ዝክእል
5 ልዕሊ 60 ሚእታዊ ዝከዉን ናይ በዝሒ ሰራሕተኛታት ቆፂሮም በስርሕዎ ኣካል ናይ ኣእምሮ ጉድኣት ዘለዎም በቲ ዘፈር ፍቃድ ካብ እትርከብዎ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ናይ 2018 ዓም ድጋፍ ደብዳቤ ብቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል
6 ናይ ዘመኑ 2017 ዓም ግበሪ ዝከፈሉ ምኮንኩም ካብ ባዕል መዚ ልምዓት እቶት ስራሕ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
7 ሰዓራይ ዝኮነ ተጫራቲ 3 ሚእታዊ ዊዝሆልድ ታክስን ተወሳኪ እሴት ታክስን በቲ መምርሒ መሰረተ ብዕድጋ ፈፃሚ ኣካል ተቆሪፁ ዝተርፍ ምካኑ ክንሕብር ንፈቱ
8 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተጫራቲ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 15 ናይ ስራሕ መዓልቲታት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቢሮና ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሐተተ ዝርዝር መዓቀኒ መሰረት ክቅርብ ዝክእል
9 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ናይ መወዳደሪ ሰነድ ዋናን ቅዳሕን ነኒበይኑ ብሽምዒ ዓሺጎም ከቅርቡ አለዎም
10 ናይ መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሽን ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ክክዉን ይግባእ
11 ተጫራቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 200 ቅርሺ ብምክፋል ከፈልኩም ካብ ቢሮ ፋይናንስን ምትሕሕባር ሃፍትን ዳ/ዳሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ምም/ር ንብረት ቢሮ ቁፅሪ 2 ክሳብ 19 22/5/2018 ዓም ክሳብ 5/6/2018 ዓም ሰዓት 10:30 ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ናይ ሰራሕ ሰዓት ብአካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ገዚኡ ክወዳደር ይክኣል
11 ተጫራቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መከበሪ ብር 110000 ቅርሺ ብሽም ቢሮ ፋይናንስ ምትሕሕባር ሃፍትን / Bureau of finance & Resource Coordination /ብስፒኦ ወይ ሰርትፊይድ ቼክ ወይ ኣንኮንድሽናል ባንኪ ጋራንቲ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ጨረታ ሳንዱቅ ወይድማ ጨረታ ቅድሚ ምከፋቱ ከቅርብ ዝክእል
12 አዚ ጨረታ ዕለት 6/6/2018 ዓም ሰዓት 4:00 ቅ/ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ቅ/ሰዓት ኣብ ቢሮ ፋይናንስን ምትሕሕባርን ሃፍቲ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር ቢሮ ቁፅሪ ካብ 2 ክሳብ 19 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይከፈት
13 ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪ ብሙለእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስረዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
14 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ቢሮና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን 20 % ክቅንስን / ክዉስን/ ይክእል እዩ
15 ሰዓራይ ኤሌክትሮኒክስ ድማ ብባዓል ሞያ አይስቲ ተፈቲሹ ትክክላኘነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይከዉን
ንዝበለፀ ሐበሬታ 0914775963