The Tigray Interim Administration Peace and Security Bureau Financial Security

ቁፅሪ/ደ/ቢ/ግ/ም/ዘ/ፋ/....../18 ዕለት/3/4 .2018ዓ/ም

ዘ/ፋ/ግንባርምዕራብ//ግ/ጨ/ቁ 001/2018

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ክፍሊ ዕደጋ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ግንባር ምዕራብ ን2018 በጀት ዓመት ኣገልግሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ናይ ተሽከርከርቲ መለዋወጢ አቁሑት/ስፔፓርት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ኣብቲ ዘርፊ እትነጥፉ ትሕት ኢሉ ዝተጠቐሰ ረቐሒ እትማልኡ ነጋዶ፡-

➢ ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፈቃድ ዘለኩም ቫት ተመዝገበቲ ዝኾንኹም

➢ ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈልኩም ምዃንኩም መረዳእታ ክተቕርቡ እትኽእሉ

➢ ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ መቅረባይነት ደፍተር ከቅርብ ዝክእል;;

➢ ናይ ግብሪ ከፋሊ ሰርተፊኬት(TIN)ን ናይ መቕረባይ ፈቓድ ዘለኩም

➢ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 18/05/2018 ዓ/ም ክሳብ 28/05/2018 ዓ/ም ተከታታሊ ናይ ስራሕ ማዓልቲ ኣብ ዘሎ እዋን ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ካብ ቢሮ ሰ/ፀ/ ግንባር ምዕራብ ሽረ ሱር ካምፕ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ብተወሳኪ ኣብ ቢሮ ሰ/ፀ/ትግራይ መቀለ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ክፍሊ ዕደጋ ብምምፃእ ዘይምለስ ብር 200.00 /ክልተ ሚኢቲ /እንዳከፈልኩም ክሳብ ዕለት 28/05/2018 ዓ/ም ክሳብ ሰዓት 4:00 ክትወስዱ ትክእሉ::

➢ ተጫረቲ ናይ ዋጋ መቅረቢ ሰደቃ እንትመልኡ ቫት ከይሓወሰ ክከውን አለዎ

➢ ጨረታ ዕለት 28/05/2018 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዮ ብተመሳሳሊ ዕለት 28/05/2018 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ባዕሎም ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ አብ ከተማ ሽረ ይክፈት።

➢ እቲ ሰነድ ጨረታ በቲ ኣብ ምልክታ ዝተገለፀ መሰረት ኣማሊኡ እንተተረኪቡ ብዘይለዉሉ ንምክፋት ዝዓግት ነገር የብሉን;;

➢ ናይ ጨረታ ሰነድ ብኑፁር ዝንበብን ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይ ባዕሎም ፊርማን ማህተምን ኣብ ሕድሕድ ገፅ ብምግባር ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ;;

➢ ቤት ፅሕፈትና እዚ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብከፊል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ

➤ 0925107388

➤ 0940874115

➤ 0914399390