ምልክታ ፕሮፎርማ
ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ካብ ናይ ምግቢ ውሕስና በጀት ናይ TS ሞተር ሳይክል መለዋወጢ ኣቑሑት ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡
| ተ.ቀ | ዓይነት ንብረት | መግለፂ/Spcefcation / | መዐቀኒ | በዝሒ | ናይ ሓደ ዋጋ | ጠቕላላ ዋጋ | ||
|---|---|---|---|---|---|---|---|---|
| ብር | ሳን | ብር | ሳን | |||||
| 1 | ፒስተን ምስ ፋሽ | ኦርጅናል | ቁፅሪ | 01 | ||||
| 2 | ካንዴላ | ኦርጅናል | ቁፅሪ | 01 | ||||
| 3 | ስቶፕ ላይት መብራህቲ | ኦርጅናል | ቁፅሪ | 01 | ||||
| 4 | ፍራቻ | ኦርጅናል | ቁፅሪ | 02 | ||||
| 5 | ባትሪ /12. 7AM/ | ኦርጅናል | ቁፅሪ | 01 | ||||
| 6 | ስፖክዮ የማን ፀጋም | ኦርጅናል | ቁፅሪ | 01 | ||||
| 7 | ወንበር ሽፋን ሌዘር ምስ መስሪሕኡ | ኦርጅናል | ሜትር | 1 | ||||
| 8 | ፍሬን ድሕሪት | ኦርጅናል | ቁፅሪ | 01 | ||||
| 9 | ቮልቮላ | ኦርጅናል | ቁፅሪ | 01 | ||||
| 10 | ቫልብ ሲል | ኦርጅናል | ቁፅሪ | 01 | ||||
| 11 | ቁልፊ /ዝቕረፅ/ | ኦርጅናል | ቁፅሪ | 01 | ||||
| 12 | ሄልሜንት | ኦርጅናል | ቁፅሪ | 01 | ||||
በዚ መሰረት እዚ ዝስዕብ ረቛሒ እተማልኡ ክትወዳደሩ ንዕድም፡፡
• በቲ ዘርፊ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ፣ ዝተሓደሰ መቕረባይነት ግልፂ ዝርአ ኮፒ ክተቕርቡ እትኸእሉ፡፡
• ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ ቲን ክተቕርቡ እትኽእሉ፡፡
• ተጫረቲ ናይ መወዳደሪ ሰነድ ፕሮፎርማ ካብ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ፊት ንፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ ሓበራዊ ኮምፕሌክስ ህንፃ 1 ደብሪ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንሰን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 59 ካብ ዕለት 14/5/2018 ጀሚርኩም ብምውሳድ ዋጋ መሊእኹም ናይ ትካልኩም ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብዝተዓሸገ ፖስታ ክሳብ ዕለት 19/5/2018 ስዓት 4፡00 ናብ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 59 ዝተዳለወ ሳፁን ኣታዊ ክትገብሩ ትኸእሉ፡፡
• እቲ ፕሮፎርማ ዕለት 19/5/2018 ስዓት 4፡00 ተዓዕዩ በቲ ዕለት ስዓት 4፡30 ይኸፈት፡፡
እቲ ጨረታ ፕሮፎርማ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን7' ናይ ስራሕ መዓልቲ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሕ ይኸውን፣
• ብፕሮፎርማ ኣብ ዝፍፀም ዕደጋ ኣብ መንጎ መቕረባይን ቤት ዕዮን ምውዕዓል ከየድለየ መቕረባይ ዝሃቦ ናይ ዋጋ መግለፂ ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል፡፡
• ስዓራይ ምዃንኩም ካብ ዝተገለፀልኩም ኣብ ውሽጢ 3ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ከቕርብ
ዝክእል፡፡
• ቢሮና እቲ ፕሮፎርማ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ወይ ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡
ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03-42-40-01-29 ምሕታት ይከኣል፡፡