ቁፅሪ 669/05/ዕ/ን/ምም/ር
ዕለት-09/ 05/2018ዓ/ም
ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምም/ር ፋይናንስ ወረዳ ዕራእ ወንበርታ ን2018 በጀት ዓመት ንኣብያተ ፅሕፈት ወረዳና ግልጋሎት ዝውዕል ካብ መደበኛ በጀት ኤልክትሮንክስ ኣቁሑቲን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ:: ስለዚ ካብዚ ንታሕቲ ዝተጠቐሱ ዝርዝር ረቑሓታት እተማልኡ ሕጋውያን መቅረብቲ (ተጫረቲ)ንክትወዳደሩ ንዕድም።
በዚ መሰረት ናይ ተጫረትቲ መምርሒ
1. ተጫረቲ ናይ እትወዳደርሉ ዘርፊ ንግዲ ኣብ ፖሰታኩም ውሽጢ ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓዳሰ ንግዲ ሰራሕ ፍቓድኩምን ፤ መቅረባያይነትን ካርዲ ኮፒ ክተታሓሕዙ ግድን'ዩ።
2. ተረቲ ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ካርዲ ወይ ቲን ናምበር ፣ ናይ ቫት ምስክር ወረቀት ተመዝገብቲ መረዳእታ ኮፒ ክተታሓሕዙ ግድን'ዩ።
3. ተጫረቲ ቫት /value added tax/ /value added tax/ ተመዝገብቲ ኮይኖም ናይ ወርሒ መረዳእታ ዘቅርብ ክኸውን ኣለዎ ። ሕዳር 2018 ዓ/ም ድክለር /Declaration/ ዝገበርሉ
4. ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ፅራእ ወንበርታ ከተማ ኣጉላዕ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ዘይምለስ ብር 1000(ሓደ ሺሕ ብር) ጥራሕ እናከፈሉ እቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 09/05/2018 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 23/05/2018 ዓ/ም ኩሉ ጊዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ክወስዱ ይኽእሉ።
6. እቲ ጨረታ ዕለት 25/05/2018 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ረፋድ ተዓፅዩ/ተዓሽጉ/ ብተመሳሳሊ ዕለት 25/05/2018 ሰዓት 4:00 ረፋድ ተጫረትቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ቤት ማዘጋጃ ከተማ ኣጉላዕ ኣዳራሽ ይኽፈት ተዘይሃለው እውን ኣብ ውሽጢ ጨረታ ሳንዱቅ ዝተረከበ ፖስታ ብስርዓት ይክፈት
7. ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ናይ መኽበሪ ጨረታ ዝኸዉን ንኤሌክትሮንክስ 15000.00/ዓሰርተ ሓሙሽተ ሺሕ ብር/ CPO ከትሕዙ ኣለዎም።
8. ኣብ ጨረታ ሰነድ ናይ ተጫረቲ ንፁር ዝኮነ ሽም ፣ፌርማ፣ ኣድራሻ፤ ሕጋዊ ማህተም ኣብ ሕድሕድ ገፅ ሰነድ ጨረታ ክግበሮ ኣለዎ፡፡
9. ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ካብዚ ሰነድ ጨረታ ኣብ ካሊእ ሰነድ መሊኢካ ምቅራብ ተቀባልነት የብሉን፡፡ብተወሳኪ ድማ.ቫት ተመዝገብቲ ዝኮኑ ተወዳደርቲ ኣብ ሕድ ሕድ ማተርያል ናይ ቫት ዋጋ ሓዊሱ ብጥንቃቐ ትክክለኛ ነፀላ ዋጋ ከቀምጥ ኣለዎም።
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ምም/ር ወረዳ ፅራእ ወንበርታ ከተማ አጉላዕ
ተወሳኪ ሓበሬታ፡- ብስልኪ ቁፅሪ 09-14-27-94-11