Laelay maichew Planning and Finance Office

1 ብናይ ናይ ማይ ስራሕቲ ደረጃ 7 ልዕልኡን ዝተሐደሰ ናይ 2018 ዓም ንግዲ ፍቃድ : ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ደረጃ 7 ልዕልኡን ብቅዓት ብቅዓት መረጋገፂ : ቲን ናምበር በቲ ዘርፊ ዝተሐደሰ ን ናይ 2018 ዓም መቅረባይነት ሰርትፊኬት : ተመዝጋባይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነ ናይ ሕደር 2018 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ዲክላሪሽን ከቅርብ ዝክእል

2 ተወዳደርት ኣብ ዝሐለፈ 8 ዓመት ኣብ መንግስታዊ ወይ ገበርቲ ሰናይ ትከላት ፕሮጀክት ብድምር ክልተ ሚልዩን ልዕሊኡን አብ ናይ ማይ ስራሕቲ ጥረሕ ብኣግባቡ ዝሰረሐ ምኮኑ ዝገልፅ ደብዳቤ ሰነድ ማለት ፐይመንት ሰርተፊኬት ብተወሳኪ ፕሮቪዝናል ፋይናንሻል ኣክሰብታንስ ከቅርብ ዝክእል

3 መከበሪ ፕርፎርማ ብር 100000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ብስፒኦ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ዉሕስና ባንኪ ከቅርብ ዝክእል

4 ተወዳዳራይ ነቲ ፕሮጀከት ጆሚሩ ከቅፅል ምካኑ ንምርግግፅ እንተነኣሰ ክልተ ሚልዩን ቅርሺ ኣብ ባንኪ ሒሳቡ ዘለዎ ምካኑ ዘረጋግፅ ሕጋዊ ናይ ባንኪ ደብዳቤ ወይድማ ናይ ባንኪ ስተትምነት ወይድማ ናይ ልቃሕ መማረፂ እንተሃልዎ ነቲ ዝተገለፀ መጠን ገንዘብ ብልቃሕ ዝረከብ ምካኑ ካብቲ ዝልቀሖ ባንኪ ኣቀዲሙ ዝተዉሃቦ መረጋገፂ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ መረጋገፂ አተሓሒዙ ከቅርብ ዝክልእ

5 ሰዓራይ ተኮናታሪይ ናይ ኮንክሪት ፖስታ ሓፁር ዝከዉን ኣብ ዉሽጢ ዘፈር ልምዓት ቁጠባ ወረዳ ላዕላይ ማይጨዉ ዝርከብ ክፍቲ ቦታ ነቲ ኮንኩሪት ፖስታ መሳርሒ ማተሪያልት ማለት እዉን ናዊቲታተ ብምርጋፍ አምሪቱ ናብ ሳይት ብምጎዓዝ በቲ ዝወፀሉ ዲዛይንን ዝርዝር መዓቀኒታትን ማለት እዉን እስፐስፊኬሽን ሰሪሑ ከረክብ ዝክእል

6 ተወዳደርቲ ነቲ ፕሮጀክት ዝከታተሉ ዘድልዩ ሰብ ሞያ ቀዳማይ ፕሮጀክት ማናጅር በዝሒ ሐደ ደረጃ ትምህርቲ ብስቨለ ምህንድስና ብኮንስትራክን ማናጅመንት ብኮንስትራክሽን ቴክኖሎጂ ብኮንስትራክሽን ኢንጂነሪንግን ተዛመድትን ስራሕ ልምዲ ንዲግሪ 0 ዓመት ንዲፕሎማ ክልተ ዓመት ዝቁፀር ባዓል ሞያ ኣብ ሕጋዊ ትካል ማለት እዉን ፍትሒ ተቀባልነት ዘለዉ ዉዕሊ ስምምዕንተ ትምህርቲን መረዳእታ ስራሕ ልምድን ከቅርብ ዝክእል ባዕሉ እንተኮይኑ እዉን እቲ መረዳእታን ስራሕ ልምድን ከቅርብ ዝክእል : ካልኣይ ሳይት ኢንጂነር ማለት እዉን ፎርማን በዝሒ ሐደ ደረጃ ትምህርት ብስቪል ምህንድስና ብኮንስስትራክን ማናጅመንት ብኮንስትራክን ቴክኖሎጂ ብኮንስትራክን ኢንጂነሪንግ ተመሳሳሊን ስራሕ ልምዲ ንዲግሪ 0 ዓመት ንዲፕሎማ ክልተ ዓመት ዝቁፀር ባዓል ሞያ ኣብ ሕጋዊ ትካል ማለት እዉን ፍትሒ ተቀባልነት ዘለዉ ዉዕሊ ስምምዕንተ ትምህርቲን መረዳእታ ስራሕ ልምድን ከቅርብ ዝክእል ባዕሉ እንተኮይኑ እዉን እቲ መረዳእታን ስራሕ ልምድን ከቅርብ ዝክእል

7 ዘድልዩ ማሽነሪታት ማለት እዉን ኣቅሑት ዝምልከተ ናይ ባዕሉ እንትኮይኑ ንተሽከርክርቲ ሌብሬ ንካልኦት መሳርሒታት ፋኩትር የቅርብ ብክራይ እንተኮይኑ ካብ ዉዕሊ ተሽከርከርቲ ቅዳሕ ሌብሬ ንካልኦት መሳርሒታት ሕጋዊ ዉዕልን ከቅርብ ዝክእልን

8 ዘድልዩ ማሽነሪታት ዝምልክተ ቀዳማይ ፒክኣፕ በዝሒ ሐደ ካልእይ ዳምፕ ትራክ በዝሒ ሐደ ሳልሳይ ቸይን እክሳካቫተር በዝሒ ሐደ ራብዓይ ቫይቭሬተር በዝሒ ሐደ ሓምሻይ ሚከሰር በዝሒ ሐደ

9 በዚ መሰረት ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳር ኩሎም ዝተሐተቱ ረቆሒታት ዝተሐተተ ዋጋ ዝመለአ መለት እዉን ሊስት ቪደር ይከዉን

10 ሰዓራይ ምስሰዓሩ ካብ ዝተረጋገፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 7 መዓልቲ ዉዕሊ ብምእሳር ብዝተዉሃቦ ዲዛይንን ዝርዝር መዓቀኒታትን ማለት እዉን እስፐስፊኬሽን መሰረት ቅድም ኢሉ ዝተጠቀሱ መሳርሒታት ብምጥቃም ኣብ ዉሽጢ 90 መዓልቲታት ሰሪሑ ከረክብ አለዎ

11 ሰዓራይ ተወዳደሪ መከበሪ ዉዕሊ 10 ሚእታዊ ብጥረ ገንዝብ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ስፒኦ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ባንኪ ዉሕስና ዘትሕዝ ምካኑ ክፈልጥ አለዎ

12 ሰዓራይ ዝከዉን ብናይ ሎት ድምር ኮይኑ ዝተስዓረ ናይ ሐደ ሎት ዝርዝር ስራሕ ዋጋን ብ 17 ሓባር ዒላ ተራቢሑ ዉዕሊ ይእሰር

13 እተን ማንዋል ድሪንግንን ናይ ሐደ ሎት ዝርዝር ስራሕ ብሰለሰተ ማንዋል ድሪ ተራቢሑ ነናይባዕሉ ዉዕሊ ይእሰር

14 እቶም ተወዳደርቲ ናይ ዝወዳደርሉ ፕሮጀክት ሙሉእ ዋጋ ዝሐዘ ሰነድ ቅድም ኢሎም ዝተጠቀሱ ኩሎም ዝተሐተተ መለክዒ ዝሓዙ መረዳእታ ዋና ክልተ ቅዳሕን ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ምስዓሸጉ ዋና ቅዳሕን ኢሎም ኣብ ልዕሊ እቲ እናሽተይ ነብሰ ወከፈ ፖስታታት ብማርከር ብዝረአ ፅሑፍ ብምፅሓፍ ማሕተም ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታ ክዓርፎ ብምግባር ዳግም ኩሎም ኣናሽተይ ፓስታታት ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ መሊሶም ብምዕሻግ ማህተም ክዓርፎ ብምግባር ናይቲ ዝወዳደርሉ ፕሮጀክት ሽም ናይ ኮንትራክተር ሽምን አድራሻን ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብይ ፖስታ ብማርከር ብዝረአ ፅሑፍ ብምፅሓፍን ነቲ ዉድድር ተባሂሉ ኣበ ቢሮ ቁፅረ 7 ዝተዳለወ ሳንዱቅ ከእትዉ እዩም

15 ኩሎም ዝተሐተቱ ረቁሒ ዋና መረዳእታታት ብፖስታ ብምዕሻግ ወይ ብኣካል ሒዝኩም ክትቀርቡ እንዳሐበርና እቶም ዘቅርብዎ ቅዳሕ መረዳእታ ብምግንዛብ ሽዑ ተመላሲ ይግበር

16 ተወዳደርቲ ፕሮፎርማ ሰነድ ዝተሐዙ ስራሕቲ ዝርዝር ዋጋ ብትክክል መሊኦም ኣብቲ ነብስወከፍ ገፅ እቲ ፕሮፎርማ ፈሪሞምን ሓቲሞምን ቅደም ሰዓብ እቲ ሰነድ እንተይዛብዑ ከምቲ ክሽየጥ እንተሎ ዝነበረ እንተይኣጎደሉ ከቅርቡ አለዎም

17 እዚ ዋጋ ፕረፎርማ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ንተከታታሊ 30 መዓልቲ ፀኒዑ ይፀንሕ

18 ሰነድ ፕፎርማ ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ላዕላይ ማይጨዉ ከይዲ ስራሕ ፋይናንስን ዕደጋን ንብረትን ቢሮ ቁፅረ 7 ካብ 1/5/2018 ዓም ክሳብ 7/5/2018 ዓም ልክዕ ሰዓት 11:00 ድሕሪ ቀትሪ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይከኣል

19 ምልክታ ፕረፎርማ ሳንዱቅ 8/5/2018 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ቅድም ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክብሉ ይክፈት ይኩን ዳእምበር ሕጋዊ ወኪላቶም ብዘይምርካቦም ከይዲ ምክፋት ጨረታ አይተኣጎጎልን

20 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ፕሮፎርማ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0913875262