Tigray Development Association

ጨረታ መሸጣ ዘገልገሉ ኣቑሑት

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝተፈላለዩ ዘገልገሉ ኣቑሑት ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ንምዕዳግ ድልየት ዘለኩም ትካላትን ውልቀ ሰባትን ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

1. ተወዳደርቲ ናብ ትካልና ብኣካል ብምምፃእ ዝወዳደርዎ ዝርዝር ዓይነት ንብረት ብዓይኖም ክርእይዎ ይግባእ፣

2. ናይ ሕድ ሕድ ንብረት ነፀላ ዋጋ ኣብ ዝተዳለወ ሰደቓ ክምላእ ኣለዎ፣

3. ጨረታ መኸበሪ ሰነድ ብስፒኦ (CPO) ብር10,000.00 (ብር ዓሰርተ ሺሕ) ከቕርቡ ዝኸእሉ፣

4 እዚ ጨረታ ስዒርካ ምስ ተብሃለ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ሒሳቡ ብምኽፋል ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ካብ ቐፅሪ ቤት ፅሕፈትና ክወስድ ዝኽእል፣

5. ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ፊት ንፊት ቤተ መንግስቲ ሃፀይ ዮሃንስ) ቢሮ ቑፅሪ 430 እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ብር100.00 ብምኽፋል ምውሳድ ይኽእሉ፣

6. ትካልና እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

7. እዚ ጨረታ ዕለት 15/04/2018 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓዕዩ ኣፍቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ኣብ ቤት ፅሕፈት ማልት ቢሮ ቑፅሪ 410 ይኸፈት፡፡

ማ ሕ በ ር ል ም ዓ ት ት ግ ራ ይ !