Tigray Justices Bureau

ግልፂ ጨረታ

ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣብ በጀት ዓመት 2018 ዓም ዝተፈላላዩ ኣቅሑት ምድብ 1 / Lot 1/ ኣቅሑት መሳርሒ ፅሕፈት ሕትመት ኣለቅቲ ቀወምቲ ኣቁሑት ኤሌክሮኒክስ ኣቅሑትን መለዋወጢ ፅሬትን ብብርኪ ክልል ትግራት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ::

ሰለዚ

1 በቲ ዘፍር ናይ ዘበኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዋንኡን ቅዳሕን ከቅርቡ ዝክእሉ

2 መለለይ ከፋላይነት ግብሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር ዋንኡን ቅዳሕን ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ማለት አዉን ቫት ወረቀት ምስክር ከቅረቡ ዝክእሉ ከምእዉን ናይ 2018 ዓም ተወሳኪ አሴት ታክስ ሒሳብ ዝገበረሉ / ዲክላሬሽን/ ዋንኡን ቅዳሕን መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

4 በቲ ዘፈር ናይ መቅረባይነት ዝተመዝገቡ ዝኮኑን ናይ ዘበኑ ዝተሐደሰ መስክር ዋንኡን ቅዳሕን ከቅርቡ ዝክእሉ

5 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተጫራታይ ዝሰዓሮ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ናይ ስራሕ መዓልቲ ቀደምን ሰንበትን ካልኦት ባዕልን ሓዊሱ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብቲ ቢሮ ክፍሊ መክዝን በቲ ዝተሐተተ ፅሬትን መጠንን ከቅርብ ዝክእል

6 መወዳደሪ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ናይ ትካል ሽምን ኣድራሻን :ማህተምን ፊርማን ዘለዎ ክከዉን ይግባእ

7 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል

8 ተጫረቲ ዉሕስና መከበሪ ጨረታ 15000 ቅርሺ  : ንሕትመት መሳርሒ 5000 : ኣቑሑት ፅሬትን ኣለቅቲ ኣቅሑት 2500 ብሽም ቢሮ ፍትሕ ክልል ትግራይ ብስፒኦ ወይድማ ብግዜ ዘይተገደበ ሰርቲፋይድ ቼክ ኣብ ባንኪ ዝተረጋገፀ ወይድማ ብጥረ ገንዘብ ናብ ዝተዳለወ ናይቲ ቢሮ ታሓዚ ገንዘብ እቲ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝክእል

9 አቲ ጨረታ 24/04/2018 ዓም ልክዕ ሰዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ልክዕ ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ዳይሬክትሮት ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 317 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከበሉ ይክፈት

10 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

11 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ናይ ዝገዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20 ሚእታዊ ክንኪ ወይ ክዉስክ ይክእል እዩ

12 ሰዓራይ እቲ ዘቅርቦ ንብረት ብባዕል ሞያ ተፈቲሹ ትክክላኛ ምካኑ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይከዉን

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344417348