Adwa Planning and Finance Office

1 በዚ ዘፈር ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም

2 በቲ ዘፈር ናይ 2018 ዓም በጀት ዓመት ፍቃድ ንግዲ ዝሐደሰ

3 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዝተመዝገበ ምካኑ ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእል

4 ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝገቡን ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ም ሒሳብ ዘወራደርሉ መረዳእታ ዘቅርብ ክከዉን አለዎ

5 ሰነድ ጨረታ ካብ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ካብ ቤት ፅሕፈትን ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ዓድዋ ከይዲ ስራሕ ዕድጋ ንብረት ምምሕዳርን ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይከኣል

6 መከበሪ ሰነድ ጨረታ ቢድ ቦንድ ደምብ ሊብሲ 5000 ብር : ንኤሌክትሮኒክስ 3000 :  ፕላስቲ ቱፖ 5000 ብር ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሰርቲፋይድ ቼክ ስፒኦ ወይ አብ ኩነታት ዘይተመሰረት ዉሕስና ባንኪ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሌተር ኦፍ ክሪዲት ባንኪ ከትሕዝ ዝክእል

7 ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ዝሐዘ ኮይኑ ድሕሪ ዉዕሊ ምእሳር ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ እቲ ንብረት ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓድዋ ከቅርብ ዝክእል

8 ሰነድ ጨረታ 22/3/2018 ክሳብ 07/4/2018 ዓም ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ክሳብ ሰዓት 4:00 ንጉሆ ኣታዊ ኮይኑ ልክዕ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:15 ንጎሆ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊያን ወከለቶም እቲ ጨረታ ይክፈት

9 ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ገዘ ካብ 15 ማዕልቲታት ዘይበልፅ ይከወን

10 ተጫረቲ ንዝቅርብዎ ንብረት ብፋልይ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ንሐደ ዓመት ዉሕስና ክህብ ዝክእልን ነቲ ዝሰዓሮ ንብረት ድማ ቤት ፅሕፈት ብዘቅረቦ ስፐስፊኬሽን ከቅርብ ዝክእል

11 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914175554  0914787245