Korem Planning and Finance Office

1 ናይ 2017 ን 2018 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎ

2 ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ዘለዎ

3 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ወይድማ ቲን ናምበር ዘለዎ

4 ካብሎት ሐደ ክሳብ ሎት ሰለሰተ ዝርከቡ ኣቅሑት ዝርዝር ንግዲ በቲ ዓዉደ ስራሕ ፍቃድ ዘለዎ

5 መከበሪ ጨረታ ብር 15000 ንነብሰወከፍ ሎት ከትሕዙ አለዎም

6 ሰነድ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ኮረም ብር 300 እናከፈሉ ብምግዛእ ክሳብ ሕዳር 29/2018 ዓም ምዉሳድ ይከኣል

7 ጨረታ ሰዓራይ ምካኑ ምስተረጋገፀ ካብ ጠቅላላ ዋጋ ካብ ዝሰዓሮ 10 ሚእታዊ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይድማ ቼክ ወይ እዉን ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል

8 ዝወዳደሩ መቅረብቲ ሰዓራይ ምካኑ ካብ ዝተረጋገፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ ሰለሰተ መዓልቲ ዉዐሊ ክኣስር ዝክእል

9 እቲ ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ኮረም ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ኣታዊ ክገብር አለዎ

10 ኣብ ዋጋ መምልእ ብዘይ ዝኮነ ስርዝ ድልዝ ብግልፂ ዝንበብ ብጥንቃቀ ክምላእ አለዎ

11 ስርዝ ድልዝ እንተድሃሊዎ ተቀባልነት የብሉን

12 ዋጋ ምስተመለአ ዋናን ቅዳሕን ምስተመለአ ብሽሚ ዝተዓሸገ ፖስታ ሽምን ኣድራሻን ክቢ ማህተምን ብምግባር ኣብ ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ኮረም ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንበረት ምምሕዳርን ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ክሳብ 30/3/2018 ዓም ሰዓት 3:00 ምእታዉ ይክኣል

13 አብ ዋጋ መምሊኢ ናይ ሐደ ዋጋ ምስጠቅላላ ዋጋ ተራቢሑ ጌጋ እንተደሃልዎ ብናይ ሐደ ዋጋ ከምዝተመለአ ተገይሩ ይዉሰድ

14 ተመዝገብቲ ቫት ምካኖም ናይ ቫት ሰርተፊኬት መረዳእታ ከትሕዙ አለዎም

15 እቲ ዝምላእ ዋጋ ድማ ምስ ቫት ወይድማ ብዘይ ቫት ምካኑ ብግልፂ ክፃሐፈሉ አለዎ እነተዘይተፃሒፉ ምስ ቫት ከምዝተመለአ ይዉሰድ

16 ጨረታ ዝካየደሉ ዕለት 30/3/2018 ዓም ጨረታ ዝክፈተሉ ድማ ብተመሳሳሊ ዕለት ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ይከዉን

17 እቲ ዋጋ ፀኒዑ ዝፅንሐሉ 40 መዓልቲ ይከዉን

18 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ሙሉእ ብሙለእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0928086548