Tigray Womans Association

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ንማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ UNICEF funded project ግልጋሎት ዝዉዕል፡-

  • Skill Building Materials
  • Self-Care, Personal and Sanitary items
  • Refreshment items
  • ፅሕፈት መሳርሒ
  • Materials to Equip WGSS-Sites
  • Materials for Furnishing..
  • Purchase of Laptop Computers and Accessories Suggestion Box

ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲራ ክትዕድግ ስለ ዝደለየት ሕጋዊያን ነጋዶ ዝኾንኩም ንክትወዳደሩ ትዕድም::

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቋሒታት

1. ናይ 2017 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፋቃድ ከቅርብ ዝክእል

2. ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ (TIN NO) ከቅርብ ዝክእል

3. ብእዋኑ ዝተሓድስ ናይ ቫት ተመዝጋቢ ሰርተፊኬትን መቕረባይነትን ከቅርብ ዝክእል

4. ተጫረቲ ናይቲ ዝመልእዎ ዋጋ 2% ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

5. ናይ ጨረታ መግዝኢ ሰነድ ዘይምለስ ብር 50 ብምክፋል ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደቂ አነስትዮ ትግራይ ብኣካል ብምምፃእ ምውሳድ ይካአል

6. ተጫረቲ ዘቅርብዎ ንብረት ፅሬቱ ዝሓለወ ክክውን ይግባእ

7. ተጫራታይ ሰዓራይ ምኳኑ ከብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ አብ ውሽጢ 7ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት አታዊ ክገብር ዝክእል

8. ተጫራታይ ካብ ናይ ቤት ፅሕፈትና ስፒስፊኬሽን ወፃኢ ምምላእ አይፍቀድን

9. ተጫራታይ አብ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ እንተሃልይዎ ብቀጥታ ካብ ጨረታ ይስረዝ

10. ጨረታ ሰነድ አብ አየር ዝፀንሓሉ ግዜ ካብ ዕለት 15/03/2018 ዓ.ም ክሳብ 24/03/2018 ዓ.ም ዝፀንሕ ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 24/03/2018 ዓ.ም ሳዓት 4፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለትን ሰዓትን 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረከብሉ አብ ቀበሌ 15 ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈትና ዝክፈት ይክውን። ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም እንድሕር ዘይተረኸቡ ድማ እቲ ጨረታ ካብ ምኽፋት ኣይትርፍን

11. ቤት ፅሕፈትና ካብቲ ዘጫረቶ 20 ምዉሳኸ ወይ ምቕናስ ይኽእል

12. መክፈቲ ዕለት ቀዳም ሰንበትን እንትዊዒሉ አብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝክፈት ይክውን

13. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።