Tigray Police Commission

ምልክታፕሮፎርማ

ንኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ሓላፍነት፣ ሽም ቲተርን ክቢ ማሕተምን ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለ ዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ መቕረብቲ ወይ ነጋዶ ንኽትወዳደሩ ይዕድም።

ታ/ቁዓይነት ንብረትመለክዒበዝሒናይ ሓደ ዋጋጠቕላላ ዋጋ
1ናይ ሽም ቲተርፍላሽብቑፅሪ32
2ናይ ሓላፍነት ቲተርፍላሽብቑፅሪ33
3ማህተምክቢብቑፅሪ01

ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቛሒታት

1. ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ኣተሓሒዙ ከቕርብ ዝኽእል።

2. ናይ ግብሪ ኸፋሊ መለለይ ቑፅሪ (in Number) ኣተሓሒዙ ከቕርብ ዝኽእል።

3. ተወዳደርቲ አብ ዝመልእዎ ዕሽግ ፖስታ ማህተም ፣ ፊርማን ሙሉእ ሽም ምስ ስቑፅሪ ክገልፁ ዝኽእሉ።

4. ተወዳደርቲ ንዘሸነፍዎ ንብረት ኣብ ውሽጢ 5/ሓሙሽተ/ መዓልቲ ብዕሬትን ፅፈትን ሰሪሖም ከቕርቡ ዝኽእሉ ።

5. ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኸፊል ኮነ ብሙሉእ ነቲ ፕሮፎርማ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው ኮይኑ ኣብሕድሕድ ንብረት ዝተመልአ ዋጋ ን7 መዓልቲ ፀኒዑ ይፀንሕ ።

6. ተወዳደርቲ ናይ ፕሮፎርማ ጨረታ ሰነድ መምልኢ ዋጋ ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ዕድጋን ፋይናንስን ቢሮ ቁፅሪ 308 ጥራሕ ናመፃኩም ትውስዱ::

7. ተወዳደርቲ ዝመልእዎ ፕሮፎርማ ካብ ዕለት 15/03/2018ዓ/ም ክሳብ 18/03/2018ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ 4፡30 ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ፋይናንስ ቢሮ ቑፅሪ 308 ዝኸፈት ይኸውን።

8. ንዝበለፀ ሓበሬታ ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 308 ወይ ብስልኪ ቑፅሪ 0344403100 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል።