1 ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግድ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ምካንኩም መረጋገፂ ደኩመንት ከምእዉን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓም ሒሳብ ዘወራረድሉ መረደእታ አተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ዘለዎ
3 ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ኮፒ ብምግባር ከቅርብ ዝክእል
4 ኣብቲ ጨረታ ዘሸነፈ ተጫራቲ ዉዕሊ ዝአስር ተወዳዳራይ ካብ ዝተለጠፈሉ ዕለት ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ኮይኑ ዝአሰርን ናይ ዘሸነፈሉ 10 ሚእታዊ ዉዕሊ መከበሪ ብምትሐዝ ዉዕል ናይ ምእሳር ግቡእ አለዎም
4 ቅሬታ ምቅራብ ዝከኣል ሰዓራይ ካብ ዝተፈለጠሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ ሰለሰተ መዓልቲ ይከዉን
5 ዝቀርብ ዋጋ ኣብ ትወስደዎ ጨረታ ሰነድ ዝምላእ ኮይኑ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ክኮን አለዎ
6 እዚ ጨረታ ብድምፂ ወያነ ካብ ዝተጋወሐሉ ጀሚሩ ዝርዝር ንብረት ዘርአየሉ ሰነድ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ወረዳ ላዕላይ ማይጨዉ ቤት ፈርዲ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ኣከሱም ብምዉሳድ ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ክሳብ 23/3/2018 ዓም ልክዕ ሰዓት 3:00 ንጉሆ ናብ ጨረታ ሳነዱቅ ክተእዉ ይግባእ
7 ጨረታ ሳነዱቅ ዝዕሸገሉ 23/3/2018 ዓም ሰዓት 3:15 ይከዉን ጨረታ ዝከፈተሉ ዕለት ሰዓት 3:30 ይከዉን ወረዳ ላዕላይ ማይጨዉ ቤት ፈርዲ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ይከፈት
8 ጨረታ መከበሪ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ 10000 ቅርሺ : ንካልኦቶ መደባት ድማ 5000 ቅርሺ በባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ጥረ ገንዘብ ከትሕዙ አለዎም
9 ጨረታ አብ ዝክፈት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ክረከቡ ዝክእሉ ምካኖም ንገልፅ
10 ቤት ፅሕፈትና ኣድላይ ኮይኑ ኣብ ዝተረከበሉ ከካብ ሕድሕድ ንብረት ክሳብ 20 ሚእታዊ ከዉስክ ወይ ድማ ክንኪ ይክእል
11 ተጫረቲ ዘሸነፎ ንበረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ የቅርብ
12 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914767255 0933487888