Mekell Orto Physiotherapy Center

ምልክታ ጨረታ ዕደጋ ጓማን ባትሪን መኪና

ዋኒኑ፣ጓማን ባትሪን ብረታ ምዕዳግ ይምልከት

ትካል ማእኽል ኦርቶ ፊዝዮቴራፒ መቐለ ጓማን ባትሪ መኪና ኣጫቀሪቱ ክዕድግ ስለዝደለየ ንቶም ኣብ ታሕቲ ዝቅመጡ ዝርዝር መዐቀንታትን መስፈርታት እተማልኡ ኣብዚ ጨረታ ንምስታፍ ድልየት ዘለኩም ብምዕዳም ኣብዚ ጨረታ ዝሳተፉ ትካላት ይኹኑ ውልቀ ሰባት እዞም ዝስዕቡ መስፈርቲ ዘማልኡ ክኾኑ ይግባእ።

1- ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘቅርብ ክኾን ኣለዎ

2- ናይ ግብሪ ከፋሊ መፍለይ ቁፅሪ ዘቅርብ ክኾን ይግባእ

3- ናይ ከፋሊ ተወሳኺ እሴት ታክሲ መረዳእታ ዘቅርብ ክኾን ኣለዎ

4- ትሕጃ ብስፒኦ ካብ ዘእትዎ ዋጋ 10% ዘይምለስ ከትሕዝ ኣለዎ

5- ዝቀርብ ዓይነት ጓማን ባትርን ካብ ዝቀረበ ዝርዝር መረዳእታ ወፃእ ተቀባልነት የብሉን

ዝርዝር ስፐስፊኬሽን በዚ ዝስዕብ መንገዲ ቀሪቡ ኣሎ

ተቁዝዕደግ ኣይነት ንብረትመዐቀኒ በዝሒንፅል ዋጋጠቅላላ ዋጋመብርሂ
1ጓማ መኪና ምስ ካለማደርያ ብሪጅስቶን 7.50 R 16(M 755)pcs05
2ኣዲስ ጎማ ምስ ካለማደርያ 12-PR- 7.50-16pcs05
3ባትሪ መኪና ቦልደን 12 V *70 AHpcs02

* ትካልና እዚ ጨረታ ሙሉእ ንሙሉእ ይኹን ብኸፊል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ። *ካብ ትካል ዘቅረቦ መማረፂ ወፃእ ዝቀርብ ዓይነት ግልጋሎት ተቀባልነት የብሉን

* ኣብ ዝምላእ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ ተቀባልነት የብሉን

* ዝሰዓረ ትካል ጨረታ ካብ ዝተኻየደሉ ዕለት ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ውዕል ክኣስር ኣለዎ

ኣድራሻ

* ትሕቲ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስትያን ፊት ንፊት ቤት ፍርዲ ወረዳ እንደርታ ጎኒ ቤ/ፅ ኢሜግሬሽን

ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ግዜ

- ካብ 27/02/2018-01/03/2018 ዓ/ም

ጨረታ ዝካየደሉ ዕለት

- ዕለት 02/03/2018 ዓ/ም ስዓት 3ተ ናይ ንጉሆ