Quha Hospital

ምልክታ ጨረታ

ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኹሓ ኣብ 2018ዓ.ም ንሆስፒታል ኹሓ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ፅሬት መሳርሕታት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለተለዝደለየ ዝምልከተኩም ናይዚ መቕረብቲ ትካላት ተማልእዎ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ሮቃሒታት ንክተቅርቡ ንገልፅ።

1. ንግዲ ፍቃድ ናይ 2018ዓ.ም ዝተሃደሰ

2. ቲን ናምበር ዘለዎ

3. ቫት ዝተመዝቡ መቅረባይነት ሰርቲፍኬት ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ኣተሓሒዝኩም ክትቀርቡ በዓል ዋና ኣብ ንግዲ ፍቃድን ሽምን ፊርማን ማህተምን ናይ ዋጋ መቅረቢ እንተዘይብሉ እቲ ጨረታ ተቀባልነት የብሉን።

4. ተጫረቲ ናይ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ጨረታ ዘይምለስ ብር 100 (ሓደ ሚኢቲ ቅርሺ) ብምኽፋል ካብ ኹሓ ሆስፒታል ከይዲ ስራሕ ዕደ/ንብ/ፋይ ምምሕዳር ቑፅሪ 48 ምውሳድ ይከኣል።

5. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ነናይ ባዕሉ ኦርጂናል ኣብ ሓደ ፖስታ ኮፒ ኣብ ካሊእ ፖስታ ነኒበይኑ ብምዕሻግ ኣብ ሓደ ዓብይ ፖስታ ብምጥቅላል ናብቲ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ይኣቱ።

6. ናይ ተጫረቲ ሙሉእ ኣድራሻ፣ማህተም፣ፊርማ፣ ክህልዎ ኣለዎ። ብተወሳኺ ድማ ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ኦርጂናል ምስፎቶ ኮፒ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ የብሉን እዚ ንዝየተግበረ ተጫረቲ እቲ ጨረታ ተቀባልነት የብሉን።

7. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ ብር 5000/ ሓሙሽተ ሽሕ ብር/ C.P.O ብሽም ኹሓ ሆስፒታል ከትሕዝ ዝኽእል።

8. ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 21/2/2018ዓ/ም ሰነድ ጨረታ ምውሳድ ዝክእል ኮይኑ ዕለት 5/03/2018ዓ.ም ሰዓት 3፡30 ተዓሺጉ ብተመሳሳሊ ዕለት 5/03/2018ዓ.ም ሰዓት 4፡00 ተጫረቲ ወይ ከዓ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኸፈት።

9. ሰዓራይ በቲ ዝተውሃቦ ዝርዝር መግለፂ ብሕቶና መሰረት ብዝተውሃቦ መዓልቲ እቶም ንብረታት ናብቲ ዝድለ ቦታ ብናይ ባዕልኹም ትራንስፖርት ናብ ኹሓ ሆስፒታል( እስቶር ( ንብረት ክፍሊ) ኣታዊ ይገብር

10. እቲ ጨረታ እንተዘይተስማሚዕሉ ሙሉእ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

11. ሰነድ ጨረታ ካብ ናይ ባዕልና ቅጥዒ ወፃኢ ምጥቃም ኣይፍቀድን

12. ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ 0914021835 ምሕታት ይከኣል።