Tigray Development Association

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ሓንቲ ሞተር ሳይክል ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. ናይ 2017 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ፣

2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣

3. ቫት ተመዝገብቲ ዝተመዝገብለ መረዳእታ ወርሒ መስከረም 2018 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኸእሉ፡

4. ዝተሓደሰ ምዝገባ መቕረባይነት 2017 ዓ.ም፣

5. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣

6. እዚ ጨረታ ስዒርካ ምስ ተብሃለ ኣብ ውሽጢ 3 መዓቲ ከቕርብ ዝኽእል፣፣ ኣብ ውሽጢ እቲ ዝተጠቐሰ ጊዜ ገደብ እንተዘይኣቕሪቡ ሰዓራይ ካብ ውድድር ወፃኢ ብምግባር ትካልና ኻልእ መማረፂ ይጥቀም፡፡

7. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ፡፡ ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ እቲ ዝትቐመጠ ዋጋ ምስ ቫቱ ከምዝኾነ ተሓሳቢ ይግበር፡፡

8. ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ሙሉእ ሽምን ማህተምን ተወዳዳራይ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፡፡

9. ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ

ዝተሓለወ እዩ፣

10. ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ካብ ቢሮ ቑፅሪ 430 ብር 100.00 ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል፣

11. እዚ ጨረታ ዕለት 26/02/2018 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማልት ይኸፈት፡፡

ዝርዝር ዓይነት ፕሮፎርማ

ተ.ቑዓይነት ንብረትመለክዒበዝሒነፀላ ዋጋመብርሂ
1ሞተር ሳይክልቑዕሪ01ብመሰረት ስፕስፊኬሽን