The daughters charity

ን4ይ ግዜ ዝወፀ ግልፂ ጨረታ

ማሕበር ዳናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወት እናባፅሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ።

በዚ መሰረት ድማ ትካልና ንተምሃሮን ካልኦት ክፋል ማሕበረሰብን ግልጋሎት ዝዉዕል New Electrical Pickup Vehicle ( ሓዳሽ ኤሌክትሪካል ፒክ ኣፕ መኪና) ኣሪቱ ክገዝእ ስለዝደለየ

1. ቫት ወይ ቲኦቲ ተመዝገብቲ ዝኾንኩም ተጫረቲ ዝርዝር መምርሒ ተጫረቲ ዝሓዘ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 20/02/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 28/02/2018 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ትግራይ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ጥቓ ዓይኒ ሕክምና ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ብኣካል ብምምፃእ ክትወስዱ

ትኽእሉምዃንኩም።

2. እቲ ጨረታ ዕለት 28/02/2018 ዓ.ም ስዓት 8:30 (local time) ተዓዕዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ስዓት 9:00 (local time) ኣብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ትግራይ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ይኸፈት ::