Bureau of finance & Resource Coordination

ዕለት 17/02/2018 ዓ ም

ቑፅሪ ትፋ ፕ-ጨ/01

ምልክታ ግልፂ ጨረታ ቑፅሪ 02/2018 ዓ/ም

ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ኣብ 2018 በጀት ዓመት ካብ መደበኛ በጀት ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት /ጎማ/ ካብ One Wash ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑትን ንምግዛእ ከምኡዉን ኣብ እንዳማርያም ዝርከብ ዝዉገዳ መካይን ሞተር ሳይክልን ሸይጡ ኮምሽን ዝክፈል ዝኽዕል ትካል ኣወዳዲሩ ክህብ ይደሊ ብምድብ/OT/ መቒሉ ማለት እውን፡

ምድብ-I /LOT-1- ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቑሑት /ጎማ/፣

ምድብ-2 /LOT- 2፡- ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት፣

ምድብ-3 /LOT- 3- ናይ መካይን ሞተር ሳይክልን ምዉጋድ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግን ኮምሽን ብምክፋል ንብረት ንምዉጋድን ይደሊ። ስለዚ

1. በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል፣ ናይ ግብሪ ከፉላይ መለለይ ቑፅሪ TIN ሰርተፊኬት ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል፣

2. ንተወሳኪ እሴት ታክሲ / VAT ዝተመዝገበ VAT ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ናይ መስከረም/2018 ዓ.ም VAT

ድክላሬሽን ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል፣

3. በቲ ዘርፊ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቁሑት /ጎማ/ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምኻኑን ናይ ዘመኑ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ምስክር ወረቐት ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል፣

4. ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳራይ ዝሰዓሮ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቁሑት /ጎማ/ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 15 ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ናብ ቢሮና ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሓተተ እስፔስፍኬሽን መሰረት ከቅርብ ዝኽእልን ናይ መካይን ሞተር ሳይክልን ምዉጋወድ ድማ ዓመት ውዕሊ ብምእሳር ሸይጡ ገንዘብ ኣታዊ ክገብር ዝክዕል፣

5. ከወግድ ካብ ዝምልከቶ መንግስታዊ ኣካል ድጋፍ ዝተዋህቦን ቅድሚ ሐዚ ዘወግድ ዝነበረ ምኻኑ መረዳእታ

ዘቅርብ ፣

6. ናይ መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ፣ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ፣ ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ክኸውን ይግባእ፣

7. ተጫራቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታን ምድብ-1ን ምድብ-2 ምድብ-3 /LOT- 1,LOT-2, LOT-3 ንዘለዉ ዝርዝር ንብረታትን ግልጋሎትን ንሕድ ሕድ ሰነድ ዘይምለስ ብር 200.00/ ክለተ ሚኢቲ ብር ጥራሕ/ ናብ ኣካዉንት ቁፅሪ 1000539031663 እናኸፈልኩም ካብ ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ዳ/ዳሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቑፅሪ 2-19 /2-01 ካብ 17/02/2018 ዓ/ም ክሳብ 01/03/2018 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዚያት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ገዚኡ ክወዳደር ይክእል ፣

8. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኽበሪ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቑሑት /ጎማ/ን ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት ሰነድ ጨረታ LOT-L,LOT-2 ብር 10,000.00/ ዓሰርተ ሽሕ ብር ጥራሕ/ ብሽም ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን / Bureau of finance & Resource Coordination / ብCPO ወይ ብሰርቲፋይድ ቼክ /Unconditional Bank Guarantee/ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ድማ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝኽእል፣

9. እቲ ጨረታ ዕለት 02/03/2018 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4፡00 ቅ/ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ስዓት 4፡30 ቅ/ሰዓት ኣብ ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ዕደጋ ፉይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቑፅሪ 2-19 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይኽፈት።

10. ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ። እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ቢሮና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20% ክትንስ/ክውስክ/ ይክእል እዩ።

11. ሰዓራይ እቲ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቁሑት /ጎማ/ ብኤንስፔክተር ተሽከርከርቲ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት ብበዓል ሞያ ቲሓር /ICT / ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምሰተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይኸውን፡፡ ናይ መካይን ሞተር ሳይክልን ምዉጋድ ድማ ካብ ዝተሓተ ዋጋ ዘቅረበ ሰዓራይ ዝፍለ ይኸዉን፡፡

12. ንዝበለፀ ሓበሬታ ሞባይል ቑፅሪ 0914775963/0914136662/ ደዊልካ ምሕታት ዝካኣል ምዃኑ ንሕብር ፡

ምስ ሰላምታ

ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ክልል ትግራይ