Tigrai Trade and Export Agency

ምልክታ ዋጋ መ ቅረቢ ፕ ሮ ፎ ርማ ቁፅሪ 05/2018ዓ.ም

ኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ክልል ትግራይ ናይ ሞተር ሳይል አቁሕት ብፕሮፎርማ ሜላ ዕደጋ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። በዚ መሰረት ነዚ ዝስዕብ ረቛሒ እተማልኡ ነጋዶ ክትወዳደሩ ብክብሪ ይዕድም :

❖ ናይ2017/18ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቀድ ዘለኩም ።

❖ ኣብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ብመቅረባይነት ዝተመዝገቡን ናይ2017/18ዓ/ም ዝተሓደሰ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ከቅርቡ ዝክእሉ።

❖ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ (Tax identification Number) ዘቐርቡ ተወዳደርቲ ።

❖ ነቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ረቑሓታት እተማልኡ ተወዳደርቲ መረዳእታኹም ፎቶ ኮፒ ገይርኩም ዋ ጋመሊእኩም ዝተዓሸገ ፖስታ ብምትሕሓዝ ካብ ዕለት 13/02/2018 ዓ.ም ክሳብ ዕለት 17/02/2018 ዓ.ም ሰዓት 11:30 ናይ ምሸት ኣብ ዘሎ ጊዜ ኣብ ክ/ከተማ ሓዉልቲ ኣብ ዝርከብ ኣብ ከባቢ ፕላኔት ሆቴል ፊት ንፊት ዘሎ ሰናይ ዘበን ዝርከብ ህንፃ 2” ደብሪ ኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ቢሮ ቁፅሪ 10 ኸተቕርቡ ንዕድም፡፡

❖ ዝልእኹምዎ ዶኩመንት ብንፁር ብዝረኣየሉ መንገዲ ኮፒ ገይርኩም ክተታሓሕዙ ኣለኩም ።ብንፁር እንተዘይተራእዩ ግን ካብ ዉድድር ወፃኢ ከም ዝኸውን ነፍልጥ።

❖ እቲ እትመልእዎ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ እንተናአሰ ፕሮፎማ ካብ ዝተካፈተሉ 7 ናይ ስራሕ ማዓልትታት

ይክውን።

❖ ኤጀንሲና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ፕሮፎርማ ብኽፋል ይኹን ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ታ/ቑዓይነት ንብረትመፍለይመዐቀኒበዝሒናይ ሓደ ዋጋመብርሂ
ብርሳን
1ናይ ሞተር ሳይክል ድሕሪት ጎማ ምስ ቲፕለስ100/90-18ብቁፅሪ01
2ናይ ሞተር ሳይክል ቅድሚት ጎማ ምስ ቲፕለስ80/100-8047ብቁፅሪ01
3ናይ ኪ/ሜትር ኬብል1ይ ደረጃብቁፅሪ01

➢ ንተወሳኺሓበሬታ:-ፕላኔት ሆቴል ፊት ንፊት ኣብ ዝርከብ ናይ ሰናይ ዘበን ህንፃ 2 ደብሪ ናብ ዳይሬክቶሬት ዳ/ር ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 10 ብኣካል ብምቕራብ ወይ ብቁፅሪ ስልኪ 0342406363 ምሕታት ይከኣል።