The daughters charity

ንሳልሳይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ታሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ ዕጉማት መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወትን መድሓኒትን ናዉቲ መድሓኒትን እናባፅሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ።

በዚ መሰረት ድማ ትካልና ካብ MMI project ብዝተረኸበ ሓገዝ ንተምሃሮ ፅሬት መሐለዊ ግልጋሎት ዝዉዕል ኣጃክስ ሳሙና ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ

➢ በቲ ዘርፊ ሕጋዉያን ዝኾንኩም መቐረብቲ ዝርዝር መምርሒ ተጫረቲ ዝሓዘ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 14/10/2025 ዓ.ፈ ክሳብ ዕለት 17/10/2025 ዓ.ፈ ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ትግራይ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ክ/ከተማ ዓዲ ሓቂ ጥቓ ዓይኒ ሕክምና ክትወስዱ ትኽእሉ ምኻንኩም ክንሕብር ንፎቱ።

➢ እቲ ጨረታ ዕለት 17/10/2025 ዓም ስዓት 8:30 (local time) ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ስዓት 9:00 (local time) ኣብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ትግራይ ይኽፈት ::