HASET REAL ESTATE

ምልክታ ጨረታ

ሀሴት ሪልስቴት ኣ/ማ ኣብ ከተማ መቀለ ኣብ ክፍለ ከተማ ሓድነት ቀበሌ 17 ንዝሃንፆ ናይ መንበርን ንግድን ኣባይቲ ናይ ጫማ፡ኮለን እና ሸርዎል(Footing pad, Foundation column & shear wall) ፎርም ዎርክን ስራሕቲ ብናይ ኮንስትራክሸን ፍቃድ ደረጃ BC-8ን ልዕሊኡን ብርኪ ፍቃድ ዘለዎም ስራሕ ተኮናተርቲ ዝኮኑ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ።

➢ ተጫረቲ ኣብቲ ጨረታ ንምስታፍ እዞም ስዒቦም ዝተገለፁ ረቑሓታት ከማሉኡ ኣለዎም።

1. ናይ 2017 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድን ፡ ብቅዓት መረጋገፅን መቅረባይነት ሰርትፍኬት።

2. ናይ 2017 ዓ.ም ዝተሓደሰ ብቅዓት መረጋገፂ ሰርትፍኬት \ ደረጃ ስራሕ ፍቃድ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል።

3. ናይ VAT ምዝገባ ወረቀት ምስክር ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ናይ VAT ዲክለራስየን መረዳእታ ዘለዎ፡፡

4. ናይ ጨረታ ውሕስና ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ(unconditional guarantee) CPO ብር 30,000(ሳላሳ ሸሕ) ከትሕዝ ዝክእል።

5. ፅርየቱ ዝሓለወ ንፎርም ወርክ መስርሒ ዝከውን ናውቲ(material) ከቅርብ ዝክእል።

6. ተጫረቲ ናይቲ ዝተጫረትሉ ህንፃ ፕሮጀክት ስራሕቲ ፎርም ዎርክ ስራሕቲ ውዕሊ ካብ ዝፈፀምሉ ዕለት ጀሚሮም እቲ ድርጅት ብዝህቦ ናይ ስራሕ ፕሮግራም( ስኬጁል ) መሰረት ሙሉእ ብ ሙሉእ ዛዚሞም ኸረክብ ዝክእል።

7. ኩሎም ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 17 01 2018 ጀሚሩ ኣብ ከተማ መቀለ ክ ከተማ ቀደማይ ወያነ

ቀበሌ 13 ኣብ ጎኒ ግሪንቫሊ ካፌ 3ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 19 ኣድላዩ መረዳእታ ብምሓዝ ክወስዱ ይክእሉ እዮም።

8. ተጫረቲ ናይቲ ፕሮጀክት ዋጋ ቴክኒካል (ስራሕ ልምዲ) ፋይናንሻልን ዶክመንት ኦርጅናልን ኮፒን ነንበይኑ ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ብምግባር ኣብቲ ናይ ድርጅት ቤት ፅሕፈት ቢሮ ቁፅሪ 19 ክሳብ ዕለት 20/01/2018 ዓ.ም ናይ ንጉሆ ሰዓት 04፡00 ብኣካል ብምምፃእ ከእትው ይክእሉ እዮም፡፡

9. ተጫረቲ ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝቀረቡ ቅጥዒ ብትክክል መሊኦም ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ዶክመንት ፌሪሞምን ሓቲሞምን ከቅርቡ ይግባእ።ኣብቲ ናይ ጨረታ ቅጥዒ ስርዝ ድልዝ እንተሃሊዎ ተቀባልነት የብሉን።

10. እቲ ጨረታ ዕለት 20/01/2018ዓ.ም ልክዕ ሰዓት 04፡00 ናይ ቅድሚ ሰዓት ተዓፂው በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 04፡30 ናይ ቅድሚ ሰዓት ድማ ኣብቲ ናይ ድርጅት ቢሮ ይክፈት። ኣብ ትካልና ብኣካል ናይ

ዘይተረከበ ተጫራታይ እውን ናይ ምክፋት መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

11. ሀሴት ሪልስቴት ካሊእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ድማ ብከፊል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

12. ንተወሳኪ ሓበሬታ ኣብ ከተማ መቀለ ክፍለ ከተማ ቀደማይ ወያነ ቀበሌ 13 ኣብ ጎኒ ግሪን ቫሊ ካፌ ዝርከብ

ቢሮ ቁፅሪ 19 3ይ ደብሪ ብኣካል ብምቅራብ ወይ ድማ ብቁፅሪ ስልኪ 0974999990/0961090830 ብምድዋል ምርካብ ይካኣል እዩ፡፡