The daughters charity

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማሕበር ዳናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ መራሕቲ ስድራ ናይ ምግ እታወት እናባዕሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ።

በዚ መሰረት ድማ ትካልና ንተምሃሮን ካልኦት ማሕበረሰብን ዝውዕል ምግብን ካብ ምግብ ወፃእ ንዝኮኑ ካብ ኣዲስ ኣበባ መቀለ ንመጉዓዝ ግልጋሎት ትራንስፖርት ኣጫሪቱ ክገዝእ ስለዝደለየ

1. ቫት ወይ ቲኦቲ ተመዝገብቲ ዝኾንኩም ተጫረቲ ዝርዝር መምርሒ ተጫረቲ ዝሓዘ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 8/01/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 13/01/2018 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ትግራይ ጥቓ ዓይኒ ሕክምና ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ብኣካል ብምምፃእ ክትወስዱ ትኸእሉ።

2. እቲ ጨረታ ዕለት 13/01/2018 ዓ.ም ስዓት 8:30 (local time) ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ስዓት 9:00 (local time) ኣብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ትግራይ ቤት ፅሕፈት ይኸፈት ::