Tigray Water Works Study, Design and Supervision Enterprise

ግልፂ ጨረታ

ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዘሎ ናይ ህንፃ መሳርሒ ኣቑሑት ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ከዕድግ ስለ ዝደለየ ካብዚ ቐፂሉ ዘሎ መስፈርቲ እተማልኡ ተወዳደርቲ ትካል ዘዳለዎ ሰነድ ጨረታ ብምውሳድ ንክትወዳደሩ ንዕድም::

1. ብዘርፉ ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ኮፒ ክተቕርቡ እትኽእሉ።

2. ናይ መቕረባይነት ምዝገባ ሰርትፊኬትን II ቑፅሪ ዝሓዘ ኮፒ ክተቕርቡ እትኽእሉ።

3. ቫት ተመዝገብቲ እንተኾንኩም ናይ ቫት ሰርትፊኬት ኮፒን ዘቕርብዎ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ዝሓወሰን ክኸውን ኣለዎ፡፡

4. ሻት ተመዝገብቲ ዝኾንኩም ናይ ወርሒ ሚያዝያ ሻት ዲክለሬሽን ክተቕርቡ ትኽእሉ።

5. እዚ ፕሮፎርማ ከም ውዕሊ ኾይኑ የገልግል።

6. ዝተአዘዘ ንብረት አሸናፊ ኾይኖም እንትርከቡ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ የረክቡ፡፡

7. ፕሮፎርማ አብ አየር ዝፀንሓሉ ጊዜ ካብ 17/10/2017 ክሳብ 20/10/2017 ዓ/ም ስዓት 4፡00 ናይ ንጉሆ ይኸውን፡፡

8. ትካልና ካልእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::

➢ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ/ቑ 0344418556 ወይም 0914-752718 ምርካብ ይከአል እዩ።


ተቁ ዓይነት ንብረትመዕቀኒበዝሒነ/ዋጋጠ/ዋጋመብርሂ
ብርሳንብርሳን
1Plastic paint Broken white colorGallon41Kadisco Supper
2Teranite skirting 60x10cmMI141.98Color to be Selected in Group
3Teranite for tread and riserM220.09