Mekelle City Planning and Finance Office

ምልክታ ፕሮፎርማ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንቤት ፅሕፈት ደኣንት ግልጋሎት ከተማ መቐለ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ፅሬት ኣቕሑት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲርና ዕድጊት ክንፍም ንደሊ። ስለዚ ኣብዚ ፕሮፎርማ ክትወዳደሩ እትደልዩ በዚ ዘርፈ ዝተመዝገብኩም ተወዳደርቲ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቓሒታት ብምምላእ ንኽትወዳደሩ ንዕድም፡፡

ዝርዝር ተደለይቲ ረቓሒታት

1. ናይ 2017ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ ፣ዝተሓደሰ መቅረባይነት ፣ ቲን ቁፅሪ ድማ ከተሓሕዝ ዝኽእል ፡፡

2. እዚ ብምእካብ ፕሮፎርማ ካብ ዕለት 11/10/2017 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 16/10/2017 ዓ/ም ዝፀንሕ ኮይኑ ዕለት 16/10/2017 ዓ/ም 03፡30 ተዓፅዩ ሰዓት 04፡00 ይኽፈት ፡፡

3. ተወዳደርቲ ኣብ ዘቅርብዎ ሰነድ ጨረታ ናይ ተወዳዳራይ ስም ፣ ፌርማ ፣ ማህተምን ኣድራሽኦምን ብምዕራፍን ብዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርቡ ኣለዎ ።

4. ሰዓራይ ትካል አሸናፊ ኮይኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 03 መዓልቲ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንብረት ክፍሊት ኣታዊ ክገብር ኣለዎ ።

5. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ እዋን እዚ ፕሮፎርማ ምስ ተኸፈተ ን7' ተኸታተልቲ መዓልቲታት ዝፀንሕ ይኸውን ፡፡

6. እዚ ሰነድ ፕሮፎርማ ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል ፡፡

7. ኣብ ከይዲ ጨረታ/ፕሮፎርማ ንምዝባዕ ዝፍትኑ ተወዳደርቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ብምግባርን ንቐፃሊ ድማ ኣብ ዕደጋ መንግስቲ ንኸይሳተፉ ክሳብ ምእጋድ ዝበፅሕ ስጉምቲ ክወስድ ይኸእል እዩ ፡፡

8. ተወዳደርቲ ዝበለፀ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ብምምፃእ ምሕታት ይከኣል እዩ ፡፡