Wahs House Saving & Constraction S/c

ምልክታ ግልፂ ጨረታ ብረታ-ብረት

ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ኣብ ዓዲ-ሓ ንዘስርሖ ዘሎ ህንፃ በርን መስኮትን መስርሒ ኣገልግሎት ዝውዕለ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ብረት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕደ ስለ ዝደለየ ነቲ ዝተቀመጠ ረቋሕታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም፤

1. ተጫረትቲ በቲ ዘርፊ ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ፣ናይ ግብሪ ከፋሊ ምስክር ወረቀት (TIN)፣ ኣብ ናይ መንግስቲ መቅረባይነት ዝርዝር ዝተመዝገቡ ምዃኖም ምስክር ወረቀት ኮፒ ጌሮም ከቅርቡ ዝኽእሉ፤ምስ ቫቱ እትመልኡ ተጫረትቲ ናይ ቫት ሰርቲፊኬት ኮፒ ከምእተቅርቡ ምፍላጥ የድሊ።

2. ተጫረትቲ ብር 20,000(ዒስራ ሽሕ)ናይ ጨረታ መኽበሪ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ናይ ክፍሊት መአዘዚ (cpo) ወይ ድማ ኣብ ኹነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ብሽም ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ከትሕዙ ዝኽእሉ፤ካብዚ ወፃኢ ጥረ-ገንዘብ ከምዘይንቅበል ነፍልጥ።

3. ተጫረትቲ ዘይምለስ ብር 300(ሰለስተ ሚእቲ) ብምኽፋል ሰነድ ጨረታ ካብ መቐለ ዋና ቤት ፅሕፈት ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ቢሮ ክፍሊ ዕ/ፋይናንስን ምውሳድ ይኽእሉ።

4. እቲ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 05/09/2017 ክሳብ 09/09/2017 ዓ/ም ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኮይኑ ሳዕን ጨረታ ዕለት 09/09/2017 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9:30 ድሕሪ ቀትሪ ተጫረትቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ትካልና ይኸፈት። ተጫረትቲ ብናይ ባዕሎም ድሌት ኣብ ስነ ስርዓት ምኽፋት ጨረታ እንተዘይተረኺቦም ትካልና ጨረታ ሰነድ ናይ ምኽፋት መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

5. ትካልና ብድሌቱ ክሳብ 20% መጠን እቲ ጨረታ ብዘይ ናይ ዋጋ ምምሕያሽ ክውስኽ ወይ ክቅንስ ይኸእል፤

6. ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ

ኣድራሻና: - ኣብ ሮማናት ኣደባባይ ባንኪ ኣቢሲንያ ኣብ ዝርከበሉ ህንፃ 3ይ ደብሪ ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ንርከብ፤ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0967-568418/0967- 557103 ምሕታት ይኸእሉ።