Tigray Revenue Development Authority

ምክታታ ጨረታ

ንበዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ን77 በጀት ዓመት ግራ ጋት ዝው ቫትን ቲንን ሰርቲፍኬት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከሕትም ስለዝደለየ፣ ዝምልከቶም ት ዝስዕብ ረቑሓ መሰረት ክትወዳደሩ ይዕድም።

➢ ቫት ሰርቲፍኬት ዝሕተም በዝሒ 10,500 ብሳምፕል መሰረት

➢ ቲን ሰርቲፍኬት ዝሕተም በዝሒ 100,000 ብሳምፕል መሰረት

➢ ዊዝሆልደን ታክሲ ሰርቲፍኬት ምስክር ወረቀት በዝሒ 1,000 ብሳምፕል መሰረት

1. ተጫረቲ ናይ ዘመነ ግብሪ ዝኸፈሉን ንግዲ ፍቃድ ዘለዎምን ዝሐደሱን

2. ነተጫረቲ ቫት ምምዝጋቦም ፣መለለዪ/ቲን/ ኣብ መቅረባይ ዝተመዝገበን ምዃኖምን ናይ የካቲት/2017 ዓ/ም ቫት ዝኸፈለሉ /ድክላሬሽን/መረዳእታ ከቕርቡ ዝክእሉ ክኾኑ ኣለዎም፡፡

3. ናይ ጨረታ መትሓዚ ብር =5,000.00 ብሲፕኦ ወይም ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ኣለዎም።

4. ንዝተዳለወ ናይ ተጫረቲ መምርሒን ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ዝሓዘን ንሕድሕድ ደኩመንት ን ዘይምለስ ብር 100/ሓደ ሚኢት ብር/ ብምኽፋል ካብ ባዓል መዚ ልምዓት እቶትክ ትግራይ ደ/ከ/ስራሕ ዕ/ፋ/ንብረት ምም/ር ቢሮ ቁፅሪ 4ን5ን ብምውሳድ ንዘቅርብዎ ዝርዝር ጨረታ ሰነድ ዋጋ ብምምላእ ብዝተኣሽገ ፖስታ ብምድላው እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐ ዕለት ጀሚሩ 04/09/2017 ዓ/ም እስካብ ዕለት 22/09/2017 ኣብ ስራሕ ሰዓት ንረታ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ብምእታው ትወዳደሩ ትኽእሉ።

5. እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 22/09/2017 ዓ/ም ስዓት 5፡00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 5.30 ድሕሪ ሰዓት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ባዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ይኸፈት፣

6. ባዓል መዚ ልምዓት እቶት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ።

7. ብተጫረቲ ዝምላእ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ክውን ኣለዎ።

8. ኣብ ዝቅርብ ደኩመንት ሕድሕድ ገፅ ክቢ ማሕተምን ፊርማን ክግበረሉ ኣለዎ፡፡

9. ተወዳደርቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርትን መራገፍን የቅርቡ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-40 18 75 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል

NB ኣድራሻና ዓዲ ሓቂ ማሕበር ጉዱኣት ኩናት ህንፃ ይሓ 3 ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 4/5

ጥቃ ዋና ቢሮ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ