Adigrat Area Ex-Combatants Development Association (AAECDA)

ቁፅሪ/Ret.No: ማልሃ/AAECDA/0080/17

ዕለት 04/09/2017 ዓ.ም

ጨረታ ናይ ዘገልገሉ ንብረታት

ማሕበርና ማሕበር ልምዓት ሃርበኛታት ምልስ ተጋደልቲ ዓዲግራትን ከባቢኣን ካብ ለገስቲ ትካላት ብውህብቶ ካብ ዝተረኸበ ኣብቲ ትሕት ኢሉ ዘሎ ሰንጠረዥ ተዘርዚሮም ዘለዉ ዝተፈላለዩ ዘገልገሉ ውፅኢት ዕንፀይትን ብረትን ከጫርት ስለ ዝደለየ ክትወዳደሩ ትደልዩ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ሮቛሕታት ብምምላእ ንኸትወዳደሩ ንፅውዕ!!!

ታ.ቁዓይነት ዝጫረት ንብረትመለክዒበዝሒዝርዝር ዋጋጠቕላላ ዋጋ
1.ሎከርቁፅሪ1000
2.ማዕዶቁፅሪ250
3.ወንበርቁፅሪ700
4.ጠረጴዛቁፅሪ100

ተጫረትቲ ከማልእዎም ዝግብኡ ነገራት

1. ተጫረቲ ንዝጫረትዎ ዓይነት ንብረትን በዝሕን ምስ ዝርዝር ዋግኡ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሰነድ ብንፁር ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ከቕምጡን ብዝተዓሸገ ፖስታ ከእትዉ ኣለዎም።

2. ተጫረቲ ንጨረታ መኸበሪ ዝኸውን ተመላሲ ብር 10000 (ዓሰርተ ሽሕ) ብጥረ ገንዘብ ወይ ብሲፒኦ ከትሕዙ ዝኸእሉ

3. ተጫራታይ ዝሰዓሮ ንብረት ኣብ ውሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልትታት ገንዘብ ኣታዊ ገይሩ ከልዕል ዝኸእል፣ እንተዘይከፊሉ እቲ ንመኸበሪ ጨረታ ዘትሐዞ ገንዘብ ኣታዊ ኮይኑ እንደገና ናብ ጨረታ ዝወፅእ ይኸውን።

4. ንጨረታ ዝተዳለወ ንብረትና ዝርዝር ኩነታቱ ንምርኣይ ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ንምውሳድን ካልኦት ዝርዝር ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ጎኒ ሜዳ ዓጋመ ንግዲ ባንኪ ቢሮና ማእኸል መማኸሪ ንግድን ስልጠናን ቀመር ናብ ዝብል ብምምፃእን በቲ ትሕት ኢሉ ዝተቐመጠ ስልኪ ብምድዋልን ዝደለኽሎምዎ ሓበሬታ ምርካብ ይከኣል።

5. ጨረታ ዝወፀሉ ዕለት ካብ 04/09/2017 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 14/09/2017 ዓ.ም ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ዝፀንሕ ኮይኑ ልክዕ ሰዓት 11:30 ናይ ጨረታ ሰነድ ዝዕፆ ኮይኑ ዕለት 15/09/2017 ዓ.ም ልክዕ ሰዓት2:30 ድማ ተጫረትትን ብኣካል ወይ ሕጋዊ ወኪል ምስ ናይ ጨረታ ኮሚቴ ኣብ ዘለውዎ ይኽፈት።

6. ተጫረቲ ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነዶም ሙሉእ ሽሞምን ስልኪ ቁፅርን ከቕምጡ ኣለዎም።

7. ማሕበርና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብኸፊል ኮነ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰለ ሕሉው እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪቁፅሪ -0914579903/ 0914784557 ይደውሉ!!!