Axum Correctional facility

1 ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነ ናይ ወርሒ የካቲት 2017 ዓም ዲክለር ዝገበሉን አተሓሒዞም ከቅርቡ ዝክእሉ

2 ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ አተሓሒዞም ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት አተሓሒዞም ከቅርቡ ዝክእሉ

4 ቁፅሪ መለለይ ከፋሊ ግብሪ ዘለዎምን አተሓሒዞም ከቅርቡ ዝክእሉ

5 መክበሪ ጨረታ 15000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ ምስ ናይ ጨረታ ደኩምንብ ዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርብ ዝክእል

6 ተጫረቲ ንዝሰዓረዎ ንብረት ኣብ ዉሽጢ ሰለሰተ መዓልቲ ዉዕሊ ኣሲሮም አብ ወሽጢ 10 መዓልቲ ብናይ ባዕሎም መጎዓዓዝያ ናብ ማእከል ቤት ህንፀት ኣክሱም ከቅርቡ ዝክእሉ

7 ተወዳደርቲ ሰነድ ጨረታ ንሕድሕድ 200 ቅርሺ ብምክፋል ኣብ ዘመልእዎ ሰነድ ጨረታ ማህትምን ፊርማን መሉእ ኣድራሻን ምስ ሙለእ ቁፅሪ ስልኪ ክገልፅ ዝክእሉ

8 ካብ 30/8/2017 ዓም ክሳብ 15/8/2017 ዓም ሰዓት 4:00 ቀትሪ ኣብ ዘሎ ኣብ ምስራያ ቤት ዝተዳለወ ሳንዱቅ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኮፒን ኦርጅንልን ብምፍልላይ ምእታዉ ዝክእል ኮይኖም ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:00  ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረክብሉ ይክፈት

9 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ 15 መዓልቲ ይከዉን

10 ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ቫት ሓዊሱ ዝወዳደሩ ምካኖም እንዳፈለጥን ቫት የዉሰክ ዝብል ሓሳብ ወይ መብርሂ ተቀባልነት የብሉን

10 ሰዓራይ ዉዕሊ እንትኣስር ዉዕሊ መከበሪ 10 ሚእታዊ ዉዕሊ መከበሪ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ ከትሕዝ አለዎ

11 ማእከል ቤት ህንፀት ኣክሱም ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ ኮይኑ ብተወሳኪ እዉን 20 መእታዊ ናይ ምዉሳክ ወይ ናይ ምቅናስ ዝከኣል ኮይኑ

12 ተጫረቲ መምሊኢ ዋጋ  ሰነድ ጨረታ ካብ ማእከል ቤት ህንፀት ኣክሱም ጥራሕ ክከዉን አለዎ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0347754682  0904504185