Mekelle City Planning and Finance Office

ቑፅሪ (Ref.No) 612/ ዕ/ንብ/ምም-48 

ዕለት (Date) 28/07/2017 ዓ/ም

ምልክታ ፕሮፎርማ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ቤት ፅሕፈት ምልሻ ከተማ መቐለ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ኤሌክትሮኖክስ ፕሮፎርማ ኣወዳዲርና ዕድጊት ክንፍፅም ንደሊ:: ስለዚ ኣብዚ ፕሮፎርማ ክትወዳደሩ እትደልዩ በዚ ዘርፊ ዝተመዝገብኩም ተወዳደርቲ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቓሒታት ብምምላእ ንኽትወዳደሩ ንዕድም፡፡ ዝርዝር ተደለይቲ ረቓሒታት

1. ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ ፣ዝተሓደሰ መቅረባይነት ፣ ቲን ቁፅሪ ድማ ከተሓሕዝ ዝኽእል

2. ፕሮፎርማ ካብ ዕለት 28/08/2017 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 30/08/2016 ዓ/ም 11፡00 ዝፀንሕ ኮይኑ ዕለት 01/09/17 ዓ/ም ሰዓት 03፡30 ይኸፈት ፡

3. ተወዳደርቲ ኣብ ዘቅርብዎ ሰነድ ጨረታ ናይ ተወዳዳራይ ስም ፣ ፌርማ ፣ ማህተምን ኣድራሽኦምን ብምዕራፍን ብዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርቡ ኣለዎ ።

4. ሰዓራይ ትካል አሸናፊ ኮይኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 03 መዓልቲ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንብረት ክፍሊት ኣታዊ ክገብር ኣለዎ "

5. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ እዋን እዚ ፕሮፎርማ ምስ ተኸፈተ ን7' ተኸታተልቲ መዓልቲታት ዝፀንሕ ይኸውን ፡፡

6. እዚ ሰነድ ፕሮፎርማ ከም ውዕሊ ከይኑ የገልግል::

7. ኣብ ከይዲ ጨረታ ፕሮፎርማ ንምዝባዕ ዝፍትኑ ተወዳደርቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ብምግባርን ንቐፃሊ ድማ ኣብ ዕደጋ መንግስቲ ንኸይሳተፉ ክሳብ ምእጋድ ዝበፅሕ ስጉምቲ ክወስድ ይኽእል እዩ "

8. ተወዳደርቲ ዝበለፀ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ብምምፃእ ምሕታት ይከኣል እዩ ፡፡

ተ.ቁዝርዝር ዓይነት ንብረትዝርዝር መፍለይ ቁፅሪመለክዒበዝሒናይ ሓደ ዋጋጠቅላላ ዋጋ
1ፕሪንተርብስፔስፊኬሽን መሰረትቁፅሪ01
2ፎቶ ኮፒብስፔስፊኬሽን መሰረትቁፅሪ01